ኣባል ባይቶ ዞባ ማእከል ገዲም ተጋዳላይ በረኸት ተኽልኣብ ምሕረትኣብ፡ ብ23 ሚያዝያ ኣብ መበል 71 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ።

ኣብ ወርሒ ግንቦት 1973 ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ በረኸት፡ ክሳብ 1977 ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት፣ ካብ 1978 ክሳብ 1982 ኣብ እንዳ ስንኩላን፣ ካብ 1983 ክሳብ 1990 ኣባል ቤት-ጽሕፈት ህዝባዊ ግንባር ኣብ መደኒ – ሱዳን፣ ካብ መስከረም 1990 ክሳብ 1993 ድማ ኣብ ህዝባዊ ምምሕዳር ተመዲቡ፡ ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ተጋዳላይ በረኸት ተኽልኣብ፡ ድሕሪ ናጽነት፡ ብዝነበሮ ስንክልና ኣብ 1994 ተጣዪሱ ሲቪላዊ መነባብሮኡ እናመርሐ፡ ኣብ 2004 ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ፡ ኣባል ባይቶ ዞባ ማእከል ኰይኑ ተመሪጹ፡ ክሳብ ዕለተ መስዋእቱ ከገልግል ጸኒሑ።

ሓርበኛ በረኸት ተኽልኣብ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሽድሽተ ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ፡ ትማሊ ሰኑይ 25 ሚያዝያ ፍርቂ መዓልቲ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት እምባደርሆ ተፈጺሙ።

ሚኒስትሪ ምክልኻልን ባይቶ ዞባ ማእከልን፡ ብመስዋእቲ ገዲም ተጋዳላይ በረኸት ተኽልኣብ ምሕረትኣብ ዝተሰመዖም ሓዘን እናገለጹ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን “ጽንዓት ይሃብኩም” ኢሎም።

Categories