ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን፡ ንመኸተ ለበዳ ኮሮና ቫይረስን ንመናበዪ ስድራ ስዉኣትን፡ 144 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ኣበርኪቶም።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ኡጋንዳ፡ ማዕከን መኸተ ኮቪድ-19 ንምስሳን ዝውዕል 115 ሽሕ ዶላር ወፍዮም።

እቶም ዜጋታት ኣቐዲሞም እውን፡ ኣብ ቀዳማይን ካልኣይን ሳልሳይን ዙርያታት ወፈያ፡ 327,137 ዶላር ኣበርኪቶም ምንባሮም ዝሓበረ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ዛጊት ብድምር 442,137 ዶላር ከምዝወፈዩ ኣረዲኡ።

ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝቕመጡ ኣባላትን ተኸታተልትን “Eritrean Unity World Wide EPLF Palttalk Room” ዝዀኑ ኤርትራውያን እውን፡ ንምንባይ ስድራ ስዉኣት 29 ሽሕ ዶላር ኣመሪካ ከምዘበርከቱ፡ ሚኒስትሪ ዕዮን ማሕበራዊ ድሕነትን ገሊጹ።

Categories