ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ – 5ይ ፓትርያርክ ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ብምኽንያት በዓል ትንሳኤ ቃለ-ቡራኬ ሂቦም።

ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ ኣብ መልእኽቶም፡ ንኣመጻጽኣን ትርጉምን ናይ’ቲ በዓል ዝምልከት መብርሂ ድሕሪ ምሃብ፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንምእመናን ክርስትና ድማ ብፍላይ – “እንቋዕ ንበዓል ትንሳኤኡ ኣብቅዓና!” ብምባል፡ ብሩኽ በዓል ክዀነልና ሰናይ ምንዮቶም ገሊጾም።

ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ ኣስዒቦም፡ በዓል ትንሳኤ ኣብ እነብዕለሉ እዋን፡ ንሽጉራት፡ ጠዋሪ ንዘይብሎምን ሓገዝና ንዝደልዩን ወገናትና፡ ዓቕምና ብዝፈቕዶ ብምክፋል ብሓባር ከነሕልፎ፡ ኣባታዊ ምኽሮም ለጊሶም።

ፓትርያርክ ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ኣብ መወዳእታ፡ ሃገርና ሰላም ዝሰፈናን ዝተባረኸትን ክትከውን ብምምናይ፡ ንህዝብን መንግስትን ኤርትራ ከምኡ’ውን ኣብ ምክልኻል ሃገርን ልምዓትን ንዘለዉ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ “ርሑስ በዓል!” ኢሎም።

Categories