ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ፡ ብኣብነታውያን ኣልማዕቲ ጀራዲን ዝተዘርአ ካልኣይ ወለዶ ኤለክትራ ዝተባህለ ምሩጽ ዓሌት ድንሽ፡ ጽቡቕ ምዕባለ የርኢ ከምዘሎ ተሓቢሩ።

እቲ ሕማማት ዝጻወርን ኣብ ሓጺር ግዜ ንፍረ ዝበጽሕን ዘርኢ ድንሽ፡ ድሮ ኣብ ደረጃ ምእካብ በጺሑ ከምዘሎ ዝሓበሩ ሓረስቶት፡ ብሰብ ሞያ ሕርሻ ብዝወሃቦም ስነ-ፍልጠታዊ ኣስተምህሮ እናተሓገዙ ብዘሰላስልዎ ዘለዉ ስራሕ፡ ኣተባባዒ ፍርያት ክሓፍሱ ዘለዎም እምነት ገሊጾም።

ክኢላ ልምዓት ጀራዲን ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ዘርእሰናይ ገብረእግዚኣብሄር እውን፡ ብሞያውያን ንዝተዋህቦም ምኽርን መምርሕን ብግቡእ ተኸቲሎም ይነጥፉ ብምህላዎም፡ ንጻዕሮም ዝዳረግ እቶት ክሓፍሱ ትጽቢት ከምዘሎ ኣስሚርሉ።

መሬት ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ፡ ንልምዓት ምሩጽ ዘርኢ ድንሽ ምቹእ ምዃኑ ጠቒሱ ድማ፡ ኣልማዕቲ ነዚ ተገንዚቦም ክረብሕሉ ተላብዩ።

ክኢላ ምክልኻል ብቚሊ ኣቶ ነበር ገብረሂወት ድማ፡ ጠንቂ ምጉዳል ምህርቲ ድንሽ፡ ብቫይረስ ዝስዕብ ሕማማት ብምዃኑ፡ ኣልማዕቲ ግራውቶም ብጽሬት ክሕዙ፣ ምቅይያር ኣዝርእቲ ከዘውትሩ፣ ተጠቃምነት ከሚካላዊ ጸረ-ባልዕን ድኹዕን ኣወጊዶም ባህርያዊ ድዂዒ ክጥቀሙ፣ ከምኡ’ውን ምንጩ ዘይፍለጥ ዘርእን ጸረ-ባልዕ መድሃኒታትን ካብ ምጥቃም ክቑጠቡ መኺሩ።

Categories