ኣገልግሎት ክብሪ መዝገብ ዝደሊ ዓሚል፡ ዝተማልአን ጽፉፍን ሰነዳት ሒዙ ክቐርብ – ኣብ ምምሕዳር ዞባ ማእከል ሓላፊ ኣሃዱ ክብሪ መዝገብ ኣቶ ተስፋልደት ሃብተሚካኤል ኣዘኻኺሩ።

እቲ ኣሃዱ ተቐባሊ’ምበር ሓጋጊ ከምዘይኮነ ዝጠቐሰ ኣቶ ተስፋልደት፡ ተገልጋሊ ግቡእን ስሉጥን ኣገልግሎት ክረክብ እንተዀይኑ፡ ካብ’ቲ ናይ ስድራ-ቤቱ ቅጺ መዝገብ ዝርከቦ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ፡ ዝተጻረየ ሰነድ ሒዙ ክቐርብ ተላብዩ።

‘ተመላሊስና’ ዝብሉ ተገልገልቲ፡ ሰነዳቶም ከየጻፈፉ ዝመጽኡ ምዃኖም ብምሕባር፡ ተገልጋሊ ኣድራሻኡ ንጹር ምስ ዘይከውንን ሒዝዎ ኣብ ዝመጽአ ሰነዳት ዝተሰረዘ ጽሑፍ ምስ ዝህሉን ተቐባልነት ከምዘይብሉ እውን ኣገንዚቡ።

እቶም ብውክልና ዘሳልጡ ድማ፡ ምሉእ ሰነድ ናይ ዝወከሎም ሰብ ሒዞም ክቐርቡ ኣተሓሳሲቡ።

ኣሃዱ ክብሪ መዝገብ ዞባ ማእከል፡ መዓልታዊ ካብ 150 ክሳብ 200 ተገልገልቲ፡ ከምኡ’ውን ርኡይ ናይ ጥዕና ጸገም ንዘለዎምን ቈጸራታት ንዝሓለፎምን ከምዘአንግድ ጠቒሱ፡ ንዝያዳ ስሉጥነትን ጽፈትን፡ ኣብ ዓቕሚ-ሰብን ናውቲ ስራሕን ወፍሪ ንምግባር መደብ ከምዘሎ ሓቢሩ።

Categories