ሰራሕተኛታት መንግስቲ፡ ንቕሓት ሕብረተሰብ ኣብ ኣገዳስነት ምኽፋል ግብርን ቀረጽን ንምብራኽን ከም ባህሊ ንምስራጽን፡ ቀላሲ ተራ ክጻወቱ – ብ16 ሚያዝያ ኣብ ባረንቱ ኣብ ዝተዋህበ – ንሓፈሻዊ ኣምራት ግብርን ቀረጽን ዝምልከት ኣስተምህሮ ተሓቲቱ።

ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣቶ ኣማኑኤል ጐይትኦም፡ ትርጉምን ረብሓን ምእካብ ግብርን ቀረጽን ብሰፊሑ ድሕሪ ምብራህ፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ዘለዎም መረዳእታ ብምዕባይ፡ ሕብረተሰብ ዘይተርፍ ዜግነታዊ ግዴታኡ ምዃኑ ተገንዚቡ ብንቕሓት ክዋሳእን፡ ኣብ እዋኑ ዝግባኦ ክኸፍልን ምእንቲ፡ ብዕቱብ ክዋስኡ ኣተሓሳሲቡ።

ምኽፋል ግብርን ቀረጽን፡ ምስ’ቶም ማሕበረ-ቁጠባዊ ህይወት ዜጋታት ንምምሕያሽ ዝውጠኑን ዝትግበሩን መደባት ቀጥታዊ ምትእስሳር ከምዘለዎ ዝጠቐሰ ኣቶ ኣማኑኤል፡ ግብርን ቀረጽን ክውንዘፍ ዘይግብኦ ናይ ነፍሲወከፍ ዜጋ ግዴታ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣብ ዞባ ጋሽ-ባርካ፡ ኣቶ ኣሕመድ ጣህር ድማ፡ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብሓፈሻ ካድራት ድማ ብፍላይ ኣብ ግብርን ቀረጽን ዘለዎም መረዳእታ ብምብራኽ፡ ኣብ ምእካብ ግብሪ ዘጋጥሙ ጸገማት ኣብ ምእላይ ተራኦም ከዕዝዙ ተላብዩ።

Categories