ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ዳይረክተር ፋይናንስ ዝነበረ ገዲም ተጋዳላይ ዓንደማርያም ስብሃቱ ንጉሰ (በይሉል)፡ ብ22 ሚያዝያ ኣብ መበል 70 ዓመት ዕድመኡ፡ ብሕማም ተሰዊኡ።

ኣብ ወርሒ ግንቦት 1975 ኣብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ተጋዳላይ ዓንደማርያም ስብሃቱ፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ – ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት፡ ልኡኽ ድምጺ ሓፋሽ ኤርትራ፡ ከምኡ’ውን ሓላፊ ዜና ኣብ ዞባታት ደቡብን ምብራቕን፣ ድሕሪ ናጽነት ድማ ኣብ ኣገልግሎት ቴለቪዥን ኤርትራ ፕሮዳክሽን ማናጀር፡ ሓላፊ ዕድግን ንብረትን፡ ሓላፊ ሕሳብን ባጀትን፡ ካብ 2004 ክሳብ ብሕማም ዝተሰናኸለሉ ግዜ ድማ ዳይረክተር ፋይናንስ ሚኒስትሪ ዜና ብምዃን፡ ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነትን ብቕዓትን ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ።

ገዲም ተጋዳላይ ዓንደማርያም ስብሃቱ (በይሉል)፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ 4 ደቂን እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ ድማ፡ ትማሊ ቀዳም 23 ሚያዝያ ፍርቂ መዓልቲ፡ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ።

ሚኒስትሪ ዜና ብመስዋእቲ ገዲም ኣባሉ ተጋዳላይ ዓንደማርያም ስብሃቱ (በይሉል) ዝተሰመዖ ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን ጽንዓት ተመንዩ።

Categories