ኮሌጅ ስነ-ፍልጠት ማይ-ነፍሒ፡ ኣብ ቀዳማይ ፍርቂ ዓመተ-ትምህርቲ 2021/2022 3.25 ልዕሊኡን ነጥቢ ንዘመዝገቡ 278 ብሉጻት ተመሃሮኡ ሸሊሙ።

ብ20 ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምዕዳል ሰርቲፊኬት፡ ዲን ናይቲ ኮሌጅ ፕሮፌሰር ገብራይ ኣስገዶም፡ ተሸለምቲ – እቶም 209 ተመሃሮ ቀዳማይ ዓመት፣ 69 ድማ ካብ ካልኣይ ክሳብ ራብዓይ ዓመት ምዃኖም ብምሕባር፡ ብዓውድታት ስነሂወት፡ ስነ-ቅመም፡ ስነ-ምድሪ፡ ቁጽሪ፡ ፊዚክስን ስታትስቲክስን ትምህርቶም ዝከታተሉ ዘለዉ ከምዝዀኑ ገሊጹ።

ካብቶም ንሽልማት ዝበቕዑ ተመሃሮ ቀዳማይ ዓመት – 36.5 ሚእታዊት፣ ካብ ተመሃሮ ካልኣይ፡ ሳልሳይን ራብዓይን ዓመት ድማ – 52 ሚእታዊት ደቂኣንስትዮ ምዃነን ዝጠቐሰ ፕሮፈሰር ገብራይ፡ ኪኖ ተሳታፍነት – ተወዳዳርነተን እናበረኸ ምምጽኡ ዘረጋግጽ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ዓመተ-ትምህርቲ 2021/2022፡ ኣብ ካልኣይ ዓመትን ልዕሊኡን ዝተሓተ ምትራፍ ዝተራእየሉ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ነቶም ብሉጽ ነጥቢ ዘመዝገቡ ተመሃሮ ዮሃና ድሕሪ ምባል፡ ነቶም ካልኦት ግዜኦም ብግቡእ ተጠቒሞም ጻዕሮም ከሐይሉ ተላብዩ።

ኣብ ኮሌጅ ስነ-ፍልጠት ማይ-ነፍሒ፡ መደብ ምሽላም ብሉጻት ተመሃሮ ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2018/2019 እኳ እንተጀመረ፡ ኣብ ዓመተ-ትምህርቲ 2020/2021 ብሰንኪ ለብዒ ኮሮና ቫይረስ ከምዘይተኻየደ ይፍለጥ።

Categories