ተመሃሮ ካብ ገበናትን ነውሪታትን ክሕየቡ፡ ምትሕብባር ወለዲን ፖሊስን ክዓዝዝ፡ ኣዛዚት 4ይ መደበር ፖሊስ ዞባ ማእከል ካፕተይን ሰምበላዊት ረዳእ፡ ብ20 ሚያዝያ ንተመሃሮ ኣብ ዝሃበቶ ኣስተምህሮ ኣዘኻኺራ።

ኣብ’ቲ ብቤት-ጽሕፈት ሃማመተኤ ንኡስ ዞባ ዕዳጋ-ሓሙስ ዝተወደበ ጐስጓስ፡ “ገበን ከይተፈጸመ ንምክልኻል፡ ካብ ቀንዲ ዕላማታት ፖሊስ እዩ’’ ዝበለት ካፕተይን ሰምበላዊት፡ ምስ ምእዋጅ ቅጥዕታት ምክልኻል ለበዳ ኮሮና-ቫይረስ ተቛሪጹ ዝጸንሐ ናብ ህዝብን ተመሃሮን ዝቐንዐ ጐስጓሳት፡ ምስ ምፍዃስ ቅጥዕታት ብቐጻሊ ክካየድ ምዃኑ ሓቢራ።

ሓሓሊፉ ብተመሃሮ ዝርአን ንገበን ዝደፋፍእን ሓደገኛ ወልፍታት ከይሳዕረረ ንምግታኡ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ፡ ወለድን መማህራንን ዕቱብ ምክትታልን ምትሕብባርን ከርእዩ ዘዘኻኸረት ካፕተይን ሰምበላዊት፡ ተመሃሮ’ውን ኣብ ከባቢኦም ንዝዕዘብዎ ዘይንቡር ተርእዮታት ቀልጢፎም ንዝምልከቶ ኣካል ክሕብሩ ተላብያ።

ኣመሓዳሪት ንኡስ ዞባ ዕዳጋ-ሓሙስ ወ/ሮ ሳሊሓ መሓመድ-ዓሊ ብወገና፡ ሕጊ ዘይምፍላጥ ካብ ተሓታትነት ስለዘየድሕን፡ ተመሃሮ ነዚ ተገንዚቦም ነብሶም ገቲኦም ኣብ ምክልኻል ገበን እጃሞም ከበርክቱ ምኽራ ለጊሳ።

እቶም ተመሃሮ፡ ከም’ዚ ዝበለ ጐስጓሳት ቀጻልነት ክህልዎን፡ ፖሊስ ኣብ ዝተሓበርዎ ቅልጡፍ መልሰግብሪ ክህቡን ዝብል ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories