ኣብ ንኡስ ዞባ ናቕፋ – ኣብ ገምገም ሩባታት ሕዳይ፡ ሞዖን ኣትካላትን ኣብ መስኖኣዊ ልምዓት ዝነጥፉ ሓረስቶት፡ እቶቶም ብዓይነትን መጠንን ካብ ንምባል ዘካየድዎ ጻዕሪ፡ ዘተባብዕ ውጽኢት ይረኽቡሉ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

እቶም ኣልማዕቲ ንኤሪና ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ፡ ነቲ ስራሕ ብዕቱብ ሳላ ዝሓዝዎ – ቀዋሚ መነባብሮ ክመርሑን ቊጠባዊ ኣታዊታቶም ከመሓዪሹን ከምዝኸኣሉ ገሊጾም።

ብውሱን ዓቕሚ ዘማልእዎ ዘለዉ ስራሓት፡ ጠለባት ከባቢኦም ኣብ ምምላሽ ኣገዳሲ ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ብምምልካት፡ ፍርያቶም ብዝተዓጻጸፈ ንምዕባይ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ብሞያዊ ምኽሪን ምሩጽ ዘርኢን ክደጋገፎም በዚ ኣጋጣሚ ተላብዮም።

Categories