ኣብ ንኡስ ዞባ ጎዳይፍ፡ ኣብ ኣመሪካን ካናዳን ዝነብሩ ዜጋታት ዝለኣኽዎ 100 ሽሕ ናቕፋ፡ ብምኽንያት በዓል ትንሳኤን ዒድ ኣልፈጥርን – ን100 ስድራ-ቤታት ስውኣትን ጽጉማት ወገናትን ተመቓሪሑ።

ብ21 ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ምክፍፋል ናይ’ቲ ሓገዝ፡ ኣመሓዳሪት ንኡስ ዞባ ጎዳይፍ ወ/ሮ ትብለጽ ተወልደ ኣብ ዘስመዓቶ ቃል፡ ጽጉም ወገንካ ምሕጋዝ – ሓደ ካብ ክብሪታት ህዝቢ ኤርትራ ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ ነቶም ገንዘባዊ ኣበርክቶ ዝገበሩ ግዱሳት ዜጋታት ኣመስጊና።

ሓገዝ ዝተገብረሎም ነበርቲ፡ በብከባቢኦም ተለልዮም ዝቐረቡ ምዃኖም ዝሓበረት ኣመሓዳሪት ምምሕዳር ከባቢ ኤክስፖ ወ/ሮ ወይኒ መስፍን ብወገና፡ ካልኦት ዜጋታት’ውን ተመሳሳሊ ኣበርክቶ ክገብሩ ተላብያ።

ኣወሃሃድቲ ናይ’ቲ ሓገዝ፡ ተመሳሳሊ ደገፍ ኣብ እዋን መኸተ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ እውን ክግበር ምጽንሑ ብምጥቃስ፡ ብዝተወሃሃደ መልክዕ ክቕጽልን ካልኦት ክጽንበርዎን ኣዘኻኺሮም።

Categories