ሃገራዊ ማሕበር ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት ኤርትራ (ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ)፡ ንኣባላቱ ዘገልግል ማእከል ምንቅስቓስ ኣካላት – ማለት ጅምናዝዩም፡ ብ17 ሚያዝያ ኣብ ከተማ መንደፈራ ከፊቱ።

እዚ ብምትሕብባር ኣብ ወጻኢ ዝርከባ ጨናፍሩን ናይ ስራሕ መሻርኽቱን ክውን ዝዀነ ማእከል፡ ብሓይሊ ኤለክትሪክን ጉልበትን ዝሰርሕ መሳርሒታት ዝዓጠቐ እዩ። ሓላፊ ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ ኣብ ዞባ ደቡብ ኣቶ ወልደዝጊ ቴድሮስ፡ እቲ ብስማዊ ክፍሊትን ብበዓል ሞያ ፊዝዮተራፒን ኣገልግሎት ዝህብ ማእከል፡ ኣብ ምምዕባል ኣካላት ሓርበኛታት ስንኩላን ኣስተዋጽኦ ክገብር ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

ኣብ ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ – ሓላፊ ጨንፈር ኣገልግሎት ሕክምና ኣቶ ረዘነ መብራህቱ፡ ማሕበር ኣቐዲሙ ተመሳሳሊ ማእከላት ኣብ ኣስመራን ከረንን ከምዝኸፈተ፣ ኣብ ቀረባ መጻኢ ድማ ኣብ ባረንቱ ንምኽፋት መደብ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኣባላት ማሕበር ንዝገበርዎ ዘለዉ ኣበርክቶ ሞጒሱ።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሃ.ማ.ሓ.ስ.ኲ.ኤ ዞባ ደቡብ – ኣብ ንኡስ ዞባ መንደፈራ ንዝርከቡ 16 ኣባላቱ፡ 560 ሽሕ ናቕፋ ወለድ ዘይብሉ ልቓሕ ከምዝሃበ ገሊጹ።

ብ17 ሚያዝያ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ እቲ ገንዘብ ንነፍሲ-ወከፍ ሰብ ካብ 30 ክሳብ 40 ሽሕ ናቕፋ ከምዝዀነ፡ ኣብ ብሪጣንያ ዝቕመጡ ግዱሳት ዜጋታት ዝለገስዎ ምዃኑ – ዝጠቐሰ ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ኣቶ ወልደዝጊ ቴድሮስ፡ ብውሕሉል ምሕደራ ህይወቶም ክልውጡሉ ትጽቢት ከምዝግበረሎም ኣገንዚቡ።

Categories