ናብ ሕብረተ-ሰብ ዝቐርብ ውጽኢት ጸባን ስጋን፡ ጥዕናኡ ዝተረጋገጸ ክኸውን ከምዝግባእ – ኣብ ሚኒስትሪ ሕርሻ ላዕለወይቲ ክኢላ መርመራ ጸባን ስጋን ወ/ሮ ነጻነት ኪዳነ ኣተሓሳሲባ።

ንንጥፈታት ፋብሪካ ጸባ ኣስመራን ካልኦት መስሪሐን ዝሸጣ ሕጋውያን ትካላትን ብዝምልከት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ – ወ/ሮ ነጻነት፡ ፋብሪካ ጸባ ኣስመራ ዕለታዊ ካብ 8 ሽሕ ክሳብ 11 ሽሕ ሊትሮ ጸባ ካብ ሓረስቶት ተቐቢላን መስሪሓን ናብ ተጠቃሚ ከምእትሸይጥ ገሊጻ።

ኣብ 2021 ኣብ’ታ ትካል ብዝተኻየደ ቁጽጽር፡ ነቲ ዝድለ መምዘኒታት ዘየማልአ ኣስታት 68 ሽሕ ሊትሮ ጸባ ከምእተጓሕፈ ብምምልካት ከኣ፡ ጸባ ብመጠን ዘለዎ ሃብታም ትሕዝቶ ምስ ዝብከል፡ ሳዕቤኑ ቀሊል ብዘይምዃኑ ዕቱብ ጥንቃቐ ክግበር ተላብያ።

ትሕዝቶ ጸባ፡ ብመጠን ሕፍሰት፡ ቅብኢ፡ ምጸትን ሕብርን ከምዝልለ ዝሓበረት ወ/ሮ ነጻነት፡ ሓረስቶት ጥዕና ከብቶም ከረጋገጹ፡ ካብ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ቲቢ፡ ቡሩሴላን ምቑላዕን ክጥንቀቑ ኣዘኻኺራ።

ወናኒ ትካል ‘ርግኦና’ ዶ/ር ዓብደላ እድሪስ እውን፡ ጥዕናኡ ዝተረጋገጸ ጸባ ከማልኦ ዘለዎ ኣብ ስነ-ፍልጠት ዝተመርኰሰ መጠን ትሕዝቶ ቅብኢን ሕፍሰትን ብኣሃዛት ኣሰንዩ ድሕሪ ምብራህ፡ ጸባ መስሪሐን ዝሸጣ ትካላት፡ ነዚ ኣብ ግምት ኣእትየን ክነጥፋ ኣተሓሳሲቡ።

Categories