መንግስታት ብሪጣንያን ርዋንዳን፡ ዝሓለፈ ሰሙን “መስርሕ ጉዳዮም ንምስላጥ” ብዝብል ፈሊጥ፡ ንደለይቲ ዑቕባ ስደተኛታት ብቻርተር በረራታት ናብ ርዋንዳ ኬግዕዛን ኬጣይሳን፡ ብ120 ሚልዮን ፓውንድ መባእታዊ ክፍሊት፡ “ውዕል ፕሪቲ ፓተል” ኣብ ዝተሰምየ ስምምዕ ከምዝበጽሓ ኣዊጀን ኣለዋ።

እዚ ዘይሕጋዊ ውጥን’ዚ፡ ሓያሎ ሕቶታት ዘልዕል’ዩ።

ግደ ሓቂ፡ እቲ መደብ ብቐንዱ፡ ንጠንቅታት፡ ዝተጠናነገ መስርሓትን መሓውራትን ሓለንጊ ፍልሰት ሰባት ንምኽዋል ዝተኣልመ እዩ።

ኪንዮ’ቲ ብግዳማዊ ኣጀንዳታት ዝጐሃሃር ቀጻሊ ግጭትን ኲናትን፡ ገለ ሃገራት ስቱር ፖለቲካዊ ዕላማታተን ንምስማር፡ ፖሊሲ “ስትራተጂያዊ ብርሰት ኣህዛብ” ብቐጻሊ ክኽተላ ይርኣያ እየን።

እዚ ብዙሐ-ጐድናዊ ኣህጉራዊ ገበን’ዚ ዘላቒ ፍታሕ ክርከቦ ዝድለ እንተኾይኑ ድማ፡ ልዑል ኣቓልቦ ክወሃቦም ዝግባእ፡ እዞም ኣቐዲሞም ዝተጠቕሱ ቀንዲ ጠንቅታት እዮም።

እቲ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ብገንዘባዊ ግንዖ ምስ ኣፍሪቃዊት ሃገር ብምሽባን ክትግበር ዝፍተን ዘሎ ሕሱርን ዘይስነ-ምግባራውን ውጥን እምበኣር፡ ክውገዝን ክዂነንን ይግባእ።

ሚኒስትሪ ዜና ኣስመራ – 18 ሚያዝያ 2022

Categories