መበል 16 ዋዕላ መንእሰያት ህ.ግ.ደ.ፍ ኤውሮጳ፡ “ኣፍሪቃ-ለኸ ሓርነትን – መሪሕነት ብዕላማን” ብዝብል ቴማ፡ ካብ 14 ክሳብ 18 ሚያዝያ ኣብ ሮማ – ኢጣልያ ተቓኒዑ።

ኣብ’ዚ ካብ ኤርትራ፡ ኤውሮጳ፡ ኣመሪካ፡ ካናዳ፡ ኣውስትራልያን ኣፍሪቃን ዝመጽኡ ልዕሊ 300 መንእሰያትን ወከልቲ ማሕበረ-ኮማትን ሃገራውያን ውዳቤታትን ዝተሳተፍዎ ዋዕላ፡ ኣደ-መንበር ኣወሃሃዲት ሽማግለ መበል 16 ዋዕላን ኣደመንበር ውዳበ መንእሰያት ህግደፍ ኤውሮጳን መኽፈቲ ቃል ድሕሪ ምቕራበን፡ ሓላፊ ህግደፍ ዞባ ወጻኢ ኣቶ ምኪኤል ተፈሪን ኣምባሰደር ኤርትራ ኣብ ኢጣልያ ኣቶ ፍስሓጼን ጴጥሮስን፡ ንተራ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ሃገራዊ መደባት ድሕሪ ምምጓስ፡ ንዝለዓለ ኣበርክቶ – ዝሓየለ ንቕሓትን ጥምረትን ከምዝሓትት ኣገንዚቦም። ሓላፊ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቶ የማነ ገብረኣብ ብማንዛ ካብ ኣስመራ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ኣብ ዞባውን ዓለማውን ኩነታት ብዙሕ ምቅይያራት ኣብ ዝርኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ ዝበረኸ ውዳበን ናይ ክተት መደባትን ብኣድማዕነት ንምስራሕ ዘኽእል ኣማቲን ኣማእዛንን መግለጺ ሂቡ።

ውዳበ መንእሰያት ህግደፍ – ኣብ ቅርጹ፡ መሪሕነቱን ትግባረ መድረኻዊ ዕማማቱን ክዓብን ክድልድልን ዝሕግዝ ዘተ ክካየድን፡ ሓባራዊ መረዳእታን ንጹር መደባትን ሒዙ ክወጽእን ትጽቢት ከምዝግበር ድማ ኣገንዚቡ።

ምንቅስቓስ ኣፍሪቃ-ለኸ ሓርነትን – ተራ መንእሰያት ህግደፍን፣ ዲፕሎማሲያዊ ስርሓት ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃን ተራ መንእሰያት ህግደፍን፣ መረዳእታ ብዛዕባ ቀርኒ ኣፍሪቃን ምውሓስ ሰላምን፣ ምምካት ገባትን ዓብላልን ጠቐነ፣ ተራ ወለዶታት ኣብ ህንጸት ሃገር ዝብልን ካልእን መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ቀሪቡን ዘተ ተኻዪዱሉን።

ብዘይካ’ዚ፡ ንተራን ተሳታፍነትን መንእሰያት ኣብ ህንጸት ሃገር፣ ኣንጻር ዓለም-ለኻዊ ዕብለላን ጸቕጥን ዝካየድ ዘሎ ዓለማዊ ቃልሲ፣ “ኣይፋል ድሕሪ ደጊም” ወይ “NO MORE” ዝብል መንእሰያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘበገስዎ ዓለማዊ ምንቅስቓስን ጽልዋኡን፣ ከምኡ’ውን መንእሰያት ኤርትራ ኣብ ትምህርቲን ምልከት ቴክኖሎጅን ዘንጸባርቕ ኣብነታዊ ተመኲሮታት ቀሪቡ።

Categories