ተርእዮ ገበናት፡ በደላትን ሓደጋታት ትራፊክን ንምቁጽጻር፡ ዝምድና ህዝብን ፖሊስን ክዓዝዝ፡ ኣዛዚ መደበር ፖሊስ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ ምክትል ተለንተ ገብረትንሳኤ ብርሃነ ጸዊዑ።

ብ12 ሚያዝያ ምስ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ኣባላት ኮማዊ ፖሊስን መማህራንን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ምክትል ተለንተ ገብረትንሳኤ፡ ንቕሓትን ኣፍልጦን ሕጊ ንምብራኽ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ፡ ንሕብረተሰብ ኣብ ምምራሕ ዝርከቡ ኣካላትን ጸለውቲ ሰባትን ብንጥፈት ክዋስኡ ኣዘኻኺሩ።

ኣብ’ቲ ርክብ፡ ኣብ ምሕያል ዝምድናታት ህዝብን ፖሊስን፣ ተራ ሕብረተሰብ ኣብ ምክልኻል ገበንን ምቅላዕ ገበነኛታትን፣ ተራ ወለዲ፡ መማህራንን ተመሃሮን ኣብ ምክልኻል በደላትን ገበናትን፣ ተራ ዓበይቲ ዓዲ ኣብ ምዂስኳስ ክብርታት ሕብረተሰብ፣ ኣብ ምቁጽጻር ዘይሕጋዊ ንግዳዊ ንጥፈታት. . . ሰፊሕ መብርሂ ተዋሂቡ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ ኣቶ ኣቡበከር ማሕሙድ፡ ኣፍልጦ ሕጊ ንምዕባይ ምምሕዳር’ቲ ንኡስ ዞባ ብዕቱብ ክሰርሓሉ ምዃኑ ገሊጹ።

Categories