ኣብ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ዝርከብ ሃገራዊ ሕዛእቲ ደንጐሎን ሰለሙናን፡ ሳላ’ቲ ዝግበረሉ ዘሎ ናይ ሓለዋ ንጥፈታት ሰሲኑ ኣብ ጽቡቕ ኲነታት ከምዘሎ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣግራብ ብሓፈሻ፡ መበቈላዊ ኣግራብ ድማ ብፍላይ – ኣብ ጽቡቕ ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ምርጋእ ኣከባብን ምምካት ክሊማዊ ለውጥን ዘለዎ ኣገዳስነት፡ ኣብ ምስሳን እንስሳ ዘገዳም እውን እጃሙ የበርክት ከምዘሎ፡ ነበርቲ ናይ’ቲ ከባቢ ገሊጾም።

ብዝተፈጥረሎም ውሑስ መሓድሮ፡ ሓደጋ ምጽናት ኣንጸላልይዎም ዝነበሩ ብርክት ዝበሉ እንስሳታት ዘገዳም ናብ ንቡር ይምለሱ ከምዘለዉ፡ እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ብተወሳኺ ሓቢሮም።

እቲ ሕሩም ሕዛእቲ፡ ኣብ’ዚ በጺሕዎ ዘሎ ደረጃ ንኽበጽሕ ተራ ነበርቲ ዕዙዝ ምንባሩን ከምዘሎን ዝጠቐሰ ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ደንጐሎ ላዕላይን ታሕታይን ኣቶ ሓምድ ሙሳ፡ ሓለዋን ናብዮትን ህዝቢ ፍጹም ከምዘይተፈልዮ መስኪሩ።

Categories