ኣባል እዚ ህዝባዊ ሰራዊት ኤርትራ፡ ገዲም ተጋዳላይ ኮሎኔል ካሕሳይ ሓጐስ ዘርኢት፡ ብ17 ሚያዝያ ኣብ መበል 71 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር 1974 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተሰለፈ ኮሎኔል ካሕሳይ፡ ን48 ዓመታት ኣብ ኣሃዱታት ተዋጋኢ ሰራዊት – ካብ ተራ ክሳብ ሓለቓ ስታፍ ክፍለ-ሰራዊት፡ ኣብ ምምጻእ ናጽነትን ምኽባር ልኡላውነትን ሃገራዊ ግቡኡ ዝፈጸመ ሓርበኛ እዩ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ፡ ትማሊ 18 ሚያዝያ ፍርቂ-መዓልቲ ኣብ መካነ-መቓብር ሓርበኛታት ከረን ተፈጺሙ።

እዚ ህዝባዊ ሰራዊት ኤርትራ፡ ብመስዋእቲ ኣባሉ ገዲም ተጋዳላይ – ኮሎኔል ካሕሳይ ሓጐስ ዝተሰመዖ ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን ጽንዓት ተመንዩ።

Categories