ኣብ ጋሕቴላይ፡ ኣገልግሎታት ማይ፡ ኤለትሪክን ጥዕናን ንምስፋሕ ስጒምቲ ይውሰድ ከምዘሎ፡ ኣመሓዳሪ’ታ ሓውሲ ከተማ ኣቶ ዘርእሰናይ ጋይም ሓቢሩ።

ኣብ ኣገልግሎት ማይ ክርአ ዝጸንሐ ሕጽረት ንምፍታሕ፡ ሓዳስ ጀነረተር ተተኺላ መስርሕ ምዝርጋሕ መስመር ብጽቡቕ ይቕጽል ከምዘሎ ዝሓበረ ኣቶ ዘርእሰናይ፡ ኣብ ፈረ-ሰገ ዝነበራ 80 ስድራ-ቤታት ኣብ ጋሕቴላይ ድሕሪ ምጥርናፈን’ውን መዐደሊ ነቚጣ ማይ ይዋደደለን ከምዘሎ ገሊጹ።

ብዘይካ’ዚ፡ ምትካል ኣዕኑድ ኤለክትሪክ ተዛዚሙ፡ መስርሕ ምትእትታው ቈጸርቲ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ 40 ሚእታዊት ከምእተሳለጠ ሓቢሩ።

ንተሳትፎ ነበርቲ ኣብ’ቲ ዕማም ዘመጐሰ ካብ ኮርፖረሽን ኤለክትሪሲቲ ኣቶ ሆሚብ ኣብርሃለይ ብወገኑ፡ ንኣሳልጦ ናይ’ቲ ስራሕ ብክልተ እብረ ይሰርሑ ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ኣብ 2021 ንዝተዓመ ንጥፈታት ንምግምጋም ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ኣቶ ዑመር ያሕያ፡ ኣብ ኩሉ ዝተዓመ ንጥፈታት ብሓፈሻ፡ ኣብ ምጽራግ ወረርቲ ኣግራብ ድማ ብፍላይ ተሳትፎ ህዝቢ ዝምስገን ምንባሩ ጠቒሱ፡ ምቍራጽ ካብ መኣዲ ትምህርትን መርዓ ትሕቲዕድመን መግትኢ ክግበረሉ፣ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንምድንፋዕ ድማ ስሉሳዊ ዝምድና መምህራን፡ ወለዲን ተመሃሮን ክሕይል ኣዘኻኺሩ።

ተሳተፍቲ ብግደኦም፡ መደበር ጥዕና ጋሕቴላይ መሰረታዊ ጽገና ክግበረላ፣ ከምኡ’ውን ንጋሕቴላይ፡ ሸባሕ፡ ዓድ-ሹማ፡ መትከል-ኣቤትን ደማስን እተገልግል ኣምቡላንስ ፍታሕ ክናደየላ ዝብልን ካልእን ርእይቶታት ኣቕሪቦም።

Categories