ኣብ ማእከል ጥዕና ሰረጀቓ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 78 ሚእታዊት ዝነበረ ሸፈነ ሕርስን ምክትታል ቅድመሕርስን፡ ኣብ ቀዳማይ ርብዒ ናይ 2022 ናብ 92 ሚእታዊት ከምዝዓበየ ተሓቢሩ።

ሓላፊት’ቲ ማእከል ሲስተር ምልእተጸጋ ገብረማርያም፡ እቲ ተመዝጊቡ ዘሎ ናይ 14 ሚእታዊት ዕብየት፡ ውጽኢት ናይ’ቲ ኣብ ሕብረተሰብ ዝተኻየደ ጐስጓሳት ከምዝዀነ ብምጥቃስ፡ ጥዕና ሕብረተሰብ ብሓፈሻ፡ ናይ ነብሰ-ጾራትን ሓራሳትን ድማ ብፍላይ ንምውሓስ፡ እቲ ጻዕሪ ቀጻሊ ምዃኑ ገሊጻ።

ኣብ ክታበት ኣዴታትን ህጻናትን እውን ዝምስገን ሸፈነ ከምዘሎ ዝሓበረት፡ ክኢላ ህዝባዊ ጥዕና መንእሰይ ሳራ ገብረኪዳን፡ ናይ ኤች.ኣይ.ቪ መርመራ ንምግባር ዝመጽኣ ነብሰ-ጾራት፡ ምስ መጻምድተን ክመጽኣ ኣዘኻኺራ።

ኣገልግሎት ላቦራቶሪ ኣብ ሰረጀቓ፡ እምባደርሆን ዛግርን ከምዝወሃብ ዝሓበረት መንእሰይ ሳራ፡ ጽበት ቦታን ካልእ ሕጽረትን ዘለወን መደበራት ጥዕና – ወኪ፡ ገሽናሽምን በለዛን ቈላሕታ ክግበረለን ተላብያ።

Categories