ተቐማጦ ድግሳ – ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ፡ ገንዘቦምን ጉልበቶምን ኣወሃሂዶም፡ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኮይና ዝጸንሐት ዲጋ ብደገፍ ማሽነሪ ይጽግኑ ኣለዉ።

እቲ ብተበግሶ ህዝቢ ዝተጀመረ ስራሕ፡ ብልዑል ውህደት ነበርቲን ሰብ ሞያ ሕርሻን ብጽቡቕ ይቕጽል ከምዘሎ፡ ኣመሓዳሪ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ ኣቶ ሃይለማርያም ዮውሃንስ ገሊጹ።

ከብ ቅድሚ 15 ዓመት ብመንግስቲ ዝተሰርሐት ዲጋ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ብዘጋጠማ ናይ ምፍራስ ሓደጋ ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ ኮይና ምጽናሓ ብምጥቃስ፡ ተቐማጦ ድግሳ ብዝወሰድዎ ኣብነታዊ ተበግሶ፡ ዝፈረሰ መንደቓ ናይ ምጽጋን፡ ድበት ናይ ምጽራግ፡ መተንፈሲ ናይ ምግፋሕን ብእምኒ ናይ ምርብራብን ስራሕ ይካየደላ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

እቲ ብደገፍ ዶዘር ዝሰላሰል ዘሎ ስራሕ ምስ ተዛዘመ፡ እታ ዲጋ 120 ሽሕ ሜትር ኲብ ማይ ብምውህላል፡ ምንጪ ማይ ሰብን ጥሪትን ኣብ ምውሓስ ዓቢ ኣስተዋጽኦ ከምእትገብር ዝሓበረ መንእሰይ መንግስትኣብ፡ ውሕስነት ክትረክብን ንዝነውሐ ዓመታት ከተገልግልን ምእንቲ፡ ማይ-ክዖታታ ክፍወስ ተላብዩ።

ኣብ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ሰገነይቲ ሓላፊ ቁጠባዊ ልምዓት ኣቶ ኪሮስ ክፍለሚካኤልን ሓላፊ ሕርሻ ኣቶ እያሱ ኣሰፋውን ብወገኖም፡ እቲ ዝተወስደ ተበግሶ ኣብነታዊ ልምዓታዊ ስራሕ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ናይ ማይ ጸገም ዘለወን ዓድታት ተመሳሳሊ ተበግሶ ክወስዳ ተላብዮም።

ኣስታት 2,200 ህዝቢ ዝቕመጣ ድግሳ፡ ካብ ሰገነይቲ ኣስታት 8 ኪሎ-ሜትር ርሒቓ ትርከብ።

Categories