ኣብ ንኡስ ዞባ ዓረዛ፡ ብምውህሃድ ቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ትምህርትን ኮሚሽን ስፖርትን ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ዝተወደበ ስፖርታዊ ቅነ ተመሃሮ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃ፡ ብ9 ሚያዝያ ተዛዚሙ።

እቲ 4 ናይ ማእከላይን 2 ናይ ካልኣይን ደረጃ ተመሃሮ ዝተሳተፍዎ ውድድራት፡ ኣብ ኣትለቲክስ ዘተኰረ ምንባሩ ዝሓበረ ሓላፊ ኣብያተትምህርቲ ንኡስ ዞባ ዓረዛ መምህር ተስፋሂወት ወልደጊዮርጊስ፡ ብዓወት ክዛዘም ኣበርክቶ ንዝገበሩ መምህራን፡ ምምሕዳራትን ናይ ስራሕ መሻርኽትን ኣመስጊኑ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብ ዝተኻየደ ውድድራት ካብ 1ይ ክሳብ 3ይ ደረጃ ብምሓዝ ንዝተዓወቱ፡ ሽልማት ተዓዲሉ።

Categories