መደበር ፖሊስ ንኡስ ዞባ ባረንቱ፡ ከም ኣካል ናይ’ቲ ኣፍልጦ ሕጊ ብምብራኽ ምትሕብባር ህዝቢ ምስ ፖሊስ ንምዕባይን ተርእዮ ገበናት፡ በደላትን ሓደጋታት ትራፊክን ንምንካይን ዘካይዶ ዘሎ ጻዕሪ፡ ንተመሃሮ ማእከላይን ካልኣይን ደረጃታት፡ ኣብ ሕጊ ዘተኰረ ኣስተምህሮ ሂቡ።

ኣዛዚ መደበር ፖሊስ’ቲ ንኡስ ዞባ ሜጀር ሓጎስ ግርማይ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ተመሃሮ መሰረታዊ ኣፍልጦ ሕጊ ከምዝህልዎም ምግባር፡ ንነብሶም ካብ’ቶም ብፍላጥ ኰነ ብዘይፍላጥ ዝፍጸሙ በደላት፡ ገበናትን ሓደጋታትን ሓራ ንምግባር ሓጋዚ ከምዝዀነ ገሊጹ።

ተመሃሮ ንሕጊ ምምእዛዝ መርኣያ ስልጣነ ምዃኑ ተገንዚቦም፡ ብፖሊስን ካልኦት ኣካላት መንግስትን ንዝወሃቦም ሕጊ ጠቀስ ኣስተምህሮታት ብዕቱብ ክርድእዎን ኣብ ግብሪ ከውዕልዎን ዘዘኻኸረ ሜጀር ሓጎስ፡ ምስ ፖሊስ ዝገብርዎ ምትሕብባር ከዕዝዙ ተላብዩ።

ሕጊ ዘይምፍላጥ፡ ካብ ተሓታትነት ናጻ ከምዘይገብር ጠቒሱ ድማ፡ መንእሰያት ብሓፈሻ ተመሃሮ ከኣ ብፍላይ፡ ኣብ ቀጽሪ ኣብያተ-ትምህርቶምን ካብኡ ወጻእን ካብ ዝግበሩ ነውሪታትን ገበናትን ነፍሶም ሓዪቦም፡ ንብረት ቤት-ትምህርቶም ክከናኸኑ፣ ከምኡ’ውን ብጉጅለ ካብ ዝካየድ ባእስን ዕግርግርን ክርሕቑን ኣብ ምክልኻሉ ኣበርክቶ ክገብሩን መኺሩ።

ኣዛዚ መደበር ፖሊስ ንኡስ ዞባ ባረንቱ ኣብ መወዳእታ፡ ተመሃራይ ብስነ-ምግባርን ድስፕሊንን ብሩህ መጻኢኡ ንኸውሕስ ኣብነታዊ ኣካይዳ ክህልዎ ከምዝግባእ ብምጥቃስ፡ ብቐንዱ ዕላማኡ ኣነጺሩ ብሕግታትን መምርሒታትን ቤት-ትምህርቲ ክመላለስ ተላብዩ።

ተመሃሮ ብወገኖም፡ እቲ ብቐጻሊ ዝወሃቦም ሕጊ ጠቀስ ኣስተምህሮ፡ ንዝጸንሖም ድሩት ኣፍልጦን መረዳእታን ብምስፋሕ፡ ኣብ ምክልኻል ገበናት፡ በደላትን ሓደጋታትን ትራፊክ እጃሞም ከበርክቱ ዘተባብዕ ስለዝዀነ፡ ቀጻልነት ክህልዎ ሓቲቶም።

Categories