ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣምባሳደር ዓብደላ ሙሳ፡ ብ14 ሚያዝያ ኣብ ንኡስ ዞባ ገለብ ንዝርከብ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን መደባት ልምዓትን ንምዕዛብ ዑደት ኣካዪዱ።

እቲ ንምምሕዳራት ከባቢ ቁሩሕ፡ ኣይባባን ምሕላብን ዘጠቓለለ ዑደት፡ ብቐንዱ ብኮም ዝሰላሰል ንጥፈታት ምዕቃብ ሓመድን ማይን ምግራብን ንምትብባዕ፣ ከምኡ’ውን ኩነታት ትሕተቅርጺን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ብምዕዛብ፡ ሕጽረታቱ ፍታሕ ብዛዕባ ዝረኽበሉ ኣገባብ ምስ ህዝብን ዝምልከቶም ኣካላትን ንምዝርራብ ዝዓለመ’ዩ።

ምስ ነበርቲ ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣምባሳደር ዓብደላ፡ ህዝቢ ማእከል ዝገበረ ልምዓታዊ መደባት ውጽኢታዊ ስለዝዀነ ብዝለዓለ ክድፋኣሉ፣ ንምንቅስቓስ ኣሸጋሪ ኮይኑ ዘሎ መስመራት መጐዓዝያ ብወፈራታት ክጽገን፣ ከምኡ’ውን ሕጽረት ዝስተ ማይ ንምፍታሕ እትሕግዝ ራህያ ብኮማዊ ተበግሶታት ክትስራሕ ተላብዩ።

ነበርቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ናይ 2ይ ደረጃ ቤት-ትምህርቲን መራኸቢታትን ጸገም ፍታሕ ክናደየሉ፣ ሽግር ዝስተ ማይ ሰብን ጥሪትን ንምፍታሕ ዲጋ ክትስራሕ፣ ከምኡ’ውን መስመር ምሕላብ – ቅሩሕ ንምትዕርራይ ዝግበር ማእቶታዊ ወፈራ ብማሽነሪ ክድገፍ፡ ዝብሉ ርእይቶታትን ሓሳባትን ኣቕሪቦም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ዓንሰባ ኣምባሳደር ዓብደላ ሙሳ ኣብ ዝሃቦ መዛዘሚ ቃል፡ ሕጽረታት ከከም ቀዳምነታቱ ንኽፍታሕ ከምዝስራሕ ብምርግጋጽ፡ ብኮም ክዕመም ዝውጠን ፕሮጀክታት ኣብ ግዜኡ ክዛዘምን ክግምገምን ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ’ቲ ዑደት፡ ጸሓፊ ህግደፍ ዞባ ዓንሰባ፡ ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ህንጻዊ ልምዓት፡ ከምኡ’ውን ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ገለብን ሓለፍቲ ሕርሻን ተሳቲፎም ነይሮም።

እዚ ከም’ዚ’ሉ እንከሎ፡ ብዝተዋህበ መምርሒ መሰረት፡ ነበርቲ ናይ’ተን ከባቢታት ንክልተ ኣዋርሕ ዝቕጽል ወፈራታት ምስራሕ ዛላታትን ከትርታትን፣ ምፍዋስ ስንጭሮታት፣ ከምኡ’ውን ምድላው ጐዳጕዲን ምጽጋን ናይ ሓመድ ጽርግያን ጀሚሮም ከምዘለዉ፡ ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ገለብ ኣቶ የማነ መብራህቱ ሓቢሩ።

Categories