ኣብ ንኡስ ዞባ ጸሮና፡ ኣብ 15 ምምሕዳራት ከባቢ ንዝተመርጹ ኣነባበርቲ ዓድን ኣከብቲ ግብርን፡ ኣብ ስርሖም ዝሕግዞም ስልጠና ተዋሂቡ።

ኣብ ዞባ ደቡብ ሓላፊ ጂኦግራፍያዊ ስርዓተ ሓበሬታ ኣቶ ጎይትኦም ሃብቶም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንትርጉምን ኣገዳስነትን ግብሪ መሬትን እንስሳ ዘቤትን ብሰፊሑ ድሕሪ ምብራህ፡ ጐኒ-ጐኒ’ቲ ንዝመረጾም ህዝቢ ብተወፋይነት ንምግልጋል ዘካይድዎ ጻዕሪ፡ ግብሪ መሬትን እንስሳ ዘቤትን ብግቡእን ኣብ ግዜኡን ንምእካብ’ውን ኣድህቦ ገይሮም ክሰርሑ ኣተሓሳሲቡ።

ሓላፊ ጨንፈር ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ዞባ ደቡብ ኣቶ ሙሳ መሓመድ ብወገኑ፡ ንመስርሕ ኣተኣኻኽባ ግብሪ መሬትን እንስሳ ዘቤትን ዝምልከት ሓበሬታ ድሕሪ ምሃብ፡ ብዛዕባ ኣጠቓቕማ ቅብሊትን ፎርም መዝገብን ብግብሪ ዝተሰነየ መረዳእታ ኣቕሪቡ።

ወኪል ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ጸሮና ኣቶ ሃይለ መንገሻ ድማ፡ ንኣገዳስነት ናይ’ቲ ስልጠና ኣብ ዝዕመም ንጥፈታት ብምጥቃስ፡ ንዝቐሰምዎ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ብግቡእ ክሰርሑሉ ተላብዩ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ጸሮና፡ 58 ደቂኣንስትዮ ዝርከብኦም 288 ኣነባበርቲ ዓድን ኣከብቲ ግብርን ከምዘለዉ፡ ሰነዳት’ቲ ምምሕዳር የመልክት።

Categories