ኣብ ንኡስ ዞባ ከርከበት፡ ንቕሓት ሕብረተ-ሰብ ብሓፈሻ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ክብ ብምባል ተሳትፎ ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ንምብራኽ ዝሕግዝ ርክብ፡ ምስ ወከልቲ ደቂ ኣንስትዮ ምምሕዳራት ከባቢ ‘ኣካይደን ኣግማይትን’ ተኻዪዱ።

እቲ ዕላማ፡ ካብ ተሳታፍነት ኣብ መኣዲ ትምህርቲ ዝዕንቅፉ ዘለዉ ጸገማት ኣለሊኻ፡ ኣብ ፍታሕ ንምዝታይ ምዃኑ፡ ሓላፊ ኣገልግሎት ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር ማሕሙድ እድሪስ ሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ርሑቕ ከባቢታት ኣግማይት፡ ኣካይደ፡ ሃዋን፡ ሓረናይትን ሃረሬብን፡ ብሰንኪ ድሑር ልምድታትን ዓይነት መነባብሮን ቁጽሪ ተመሃሮ ዛጊት ትሑት ከምዘሎ፣ ብዘይካ ኣብ ምምሕዳራት ከባቢ ‘ኣካይደን ኣግማይትን’ ድማ ዛጊት ደቂኣንስትዮ ይሳተፋ ከምዘየለዋ ጠቒሱ ድማ፡ ነቲ ጸገም ንምምሕያሽ – ዓበይቲ ዓዲ፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ጸለውቲ ኣካላት ሕብረተ-ሰብን እጃሞም ከበርክቱ ኣተሓሳሲቡ።

ካብ ዓበይቲ ዓዲ ሸኽ ዑመር ሱሌማን ብወገኑ፡ ኣገልግሎት ትምህርቲ ብምኽፋቱ፡ ዋላ’ኳ ኣብ’ቲ ዝድለ ደረጃ እንተዘይተበጽሐ፡ ነበርቲ ተረባሕቲ ክኾኑ በቒዖም ከምዘለዉ ብምሕባር፡ ኣብ’ተን ተሳታፍነት ደቂ-ኣንስትዮ ዘየረጋገጻ ከባቢታት ለውጢ ንምምጻእ፡ ውሁድ ጻዕሪ ከምዘድሊ ኣረዲኡ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ጋሽ-ባርካ መምህር መሓመድ-ዓሊ ኢብራሂም ድማ፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ንኡስ ዞባ ከርከበት ብሓፈሻ፡ ኣብ ከባቢታት ‘ኣካይደን
ኣግማይትን’ ድማ ብፍላይ ምስ ምክትታል ዶባት ብምውህሃድ ካብ 2017 ብዝገበሮ ጻዕሪ፡ ኣገልግሎት ትምህርቲ ተጀሚሩ ብዙሓት ዜጋታት ተረባሕቲ ክኾኑ በቒዖም ከምዘለዉ ብምግላጽ፡ ጎኒ-ጎኒ ኣካዳሚያዊ ትምህርቲ ዝወሃብ ዘሎ ሞያዊ ስልጠናታት ኣተባባዒ ውጽኢት ይርከቦ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ብኻልእ ወገን፡ ኣብ ምምሕዳር ከባቢ ሸበቕ – ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ንምሕያል፡ ስሉሳዊ ዝምድና ወለዲ፡ ተመሃሮን መምህራንን ክዓዝዝ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ርእሰ-መምህር መባእታ ቤት-ትምህርቲ ሸበቕ መምህር ምሉእ ሃብትንኪኤል፡ ወለዲ ጐኒ-ጐኒ’ቲ ንደቆም ዝገብርዎ ምክትታልን ደገፍን፡ ምስ መምህራን ብምልዛብን ብምውህሃድን፡ ኣብ ምምእዛኖምን ዝርአ ሕጽረት ኣብ ምምላእን ክነጥፉ ጸዊዑ።

ኣብ 1994 ኣገልግሎት ዝጀመረት፡ ካብ ዓድታት ሸበቕ፡ ፍቓብሮት፡ ቃርዋት፡ ዓድ-ኣረይ፡ ከምኡ’ውን ካብ ገለ ከባቢታት ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ንዝመጽኡ ተመሃሮ እተገልግል መባእታ ቤት-ትምህርቲ ሸበቕ፡ 184 ደቂኣንስትዮ ዝርከብኦም 415 ተመሃሮ ኣለዉዋ።

Categories