ኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን፡ ኣብ ዓድዕለ – ንኡስ ዞባ ጊንዳዕ ኣብ 300 ሄክታር ዝፈተኖ ምሩጽ ዘርኢ መሸላ፡ ኣብ ደረጃ ምጉናእ ከምዝበጽሐ ተሓቢሩ።

ኣብ’ቲ ኮርፖረሽን ክኢላ ሕርሻዊ ልምዓት ኣቶ ኣድም ዑስማን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሎሚ ዓመት ኣብ መሸላ፡ ተምሪ፡ ፉል፡ ኣራንሽን ጉዕ-በርበረን ዝተገብረ ፈተነ ጽቡቕ ውጽኢት ከምእተረኽቦ ገሊጹ።

ኣብ 2017 ዝተተኽለ ብነጠብጠባዊ መስኖ ዝለምዕ 350 ኣግራብ ተምሪ’ውን ውጽኢቱ ኣዝዩ ኣተባባዒ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣቶ ኣድም፡ ሎሚ ዓመት ምስ ሓደስቲ ዓሌታት ናይ ምውሳቡ ስራሕ ይሰላሰል ከምዘሎ፣ ምርባሕ ናይ ጸባ ከብትን ኣጣልን እውን ጐኒ-ጐኑ ተጀሚሩ ምህላዉ ኣፍሊጡ።

ኣብ’ቲ ስራሕ ንኣስታት ሽዱሽተ ዓመት ዝነጠፉ ነበርቲ ብግደኦም፡ ብኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን ዝሰላሰል ዘሎ ንጥፈታት፡ ከባቢኦም ንሕርሻዊ ልምዓት ምቹእ ምዃኑ ብግብሪ ከምዘረጋገጸሎም ብምጥቃስ፡ ፍልጠትን ክእለትን ከጥርዩ በቒዖም ከምዘለዉ ገሊጾም።

ኣመሓዳሪ ጋሕቴላይ ኣቶ ዘርእሰናይ ጋይም ብወገኑ፡ ኮርፖረሽን ጥሪትን ዘራእትን ንኣስታት 350 ነበርቲ ናይ ሽቕለት ዕድል ፈጢሩ ከምዘሎ ብምሕባር፡ መደባት ምግራብ ንምድንፋዕ ዝተዳለወ ኣስታት 13 ሽሕ ፈልሲታት ንምዕዳል ምድላዋት ተገይሩ ከምዘሎ ኣብሪሁ።

ኮርፖረሽን ዘራእትን ጥሪትን፡ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ካብ 2016 ኣትሒዙ ኣተባባዒ ልምዓታዊ ስራሕ የሰላስል ከምዘሎ ይፍለጥ።

Categories