ኣብ ኣስመራ – ንኡስ ዞባ ጎዳይፍ ትካል ፊዝዮተራፒ ኣስመራ፡ ዕዉት ስራሕ ኣሰላሲሉ ተደኲኑ ዝርከብ ትካል ፊዝዮትራፒ ብዘካይዶ ጻዕሪ፡ መጠን ሕውየት ተገልገልቲ 90 ሚእታዊት ከምዝበጽሐ፡ ሜዲካል ዳይረክተር ናይ’ቲ ትካል – ክኢላ ፊዝዮተራፒ ኣቶ ብርሃነ ሓያሉ ሓቢሩ።

ኣቶ ብርሃነ፡ እቲ ማእከል ክሳብ 1997 ንሕሙማት ፖልዮን ብሰንኪ ዋሕዲ ኦክስጂን ኣብ ግዜ ወሊድ ኣብ ህጻናትን ቈልዑን ዝኽሰት ጸገማትን ኣብ ምሕካም፡ ከምኡ’ውን ዝተጠውየ ኣእጋር ኣብ ምስትኽኻል ክሰርሕ ከምዝጸንሐ፣ ድሕሪኡ ሚኒስትሪ ጥዕና ብዝገበሮ ሓድሽ ኣወዳድባ ግና፡ ከም ቀንዲ ማእከል ሕክምና ጸገማት ዓንዲ-ሕቘን ብሰንኪ ልዑል ጸቕጢ ደምን ሽኮርን ዘጋጥም መልመስትን ምጭብባጥ ጭዋዳታትን ኰይኑ የገልግል ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣብ 2021 ንዝተሰላሰለ ዕማማት ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መዓልታዊ ኣብ ዞባታት ካብ ዝርከባ መወከሲ ሆስፒታላት ንዝተላእኩ ካብ 150 ክሳብ 200 ሕሙማት ኣገልግሎት ከምእተዋህበ ዝገለጸ ኣቶ ብርሃነ፡ ብጠቕላላ ኣስታት 2,500 ዜጋታት ተመላሊሶም ከምእተሓከሙ፣ መጠን ምሕዋይ ድማ ካብ’ቲ ናይ 2020 ብ3 ሚእታዊት ዕብየት ከምዘርኣየ ኣብሪሁ።

ምስ ዘሎ ጻዕቂ ተገልገልቲ፡ እቲ ማእከል ተወሳኺ መሳርሒታት ከምዘድልዮ ጠቒሱ ድማ፡ ንምምልኡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ምዝርራብ ከምዝርከቡ ብምጥቃስ፡ ኣብ ገጽ ዘጋጥም ምጥዋይ ይኹን ኣብ ካልእ ክፋል ኣካላት ዝኽሰት መልመስቲ፡ ካብ ባህላዊ ፍወሳ ብምሕያብ፡ ተቐዳዲምካ ናብ ትካል ጥዕና ምስ ዝመጽእ፡ እቲ ናይ ምሕዋይ ተኽእሎ ልዑል ምዃኑ ኣረጋጊጹ።

ሞያውያን ኣባላት’ቲ ማእከል ብወገኖም፡ ምሕዳስ ናይ’ቲ ህንጻ ንዝበለጸ ኣገልግሎት ዘተባብዕ’ኳ እንተዀነ፡ ሕጽረትን እርጋንን መሳርሒታት ኣተኲሮ ክወሃቦ ኣዘኻኺሮም።

ተገልገልቲ ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፡ ኣብ’ቲ ማእከል ብዝረኽብዎ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ጥዕናኦም እናተመሓየሸ ከምዝመጸ ብምሕባር፡ ዝዀነ ናይ ጭዋዳ ምጭብባጥ ኰነ ምድንዛዝ ዘጋጥሞ ዜጋ፡ ተቐላጢፉ ናብ ሞያውያን ክኸይድ ተላብዮም።

Categories