ቤት-ትምህርቲ ሙዚቃ ኣስመራ፡ ሓደስቲ ሙዚቀኛታት ኣብ ምምልማልን ዓቕሚ ነባራት ክብ ኣብ ምባልን ኣበርክቶ ትገብር ከምዘላ፡ ዳይረክተር’ታ ቤትትምህርቲ ኣቶ ኤልያስ ወልደገብርኤል ሓቢሩ።

ኣቶ ኤልያስ፡ እቲ ብደረጃ ሰርቲፊኬትን ዲፕሎማን ብክልሰ-ሓሳብን ግብሪን ዝወሃብ ትምህርቲ፡ 8 ዓውድታት ማለት ኦርጋን፡ ጊታር፡ ሳክስፎን፡ ክላሪነት፡ ፍሉት፡ ቫዮሊን፡ ድራምን ቤዝ ጊታርን ከምዘጠቓልል ገሊጹ።

ኣብ ማእከል ምድላው መምህራን፡ ከም ኣካል ዝወሃብ ዓይነታት ስልጠና ናይ ሓደ ዓመት ትምህርቲ ሙዚቃ ዝቐሰሙ መምህራን፡ ኣብ ዝተመደብወን ኣብያተትምህርቲ ይምህሩሉ ከምዘለዉ ዝሓበረ ኣቶ ኤልያስ፡ ካብ ጉጅለ ባህሊ ኣሰር ንዝተመርጹ ቈልዑ’ውን ብምሸታዊ ን3 ዓመታት ከምዘምሃሩ ኣብሪሁ።

ብዘይካ’ዚ፡ ካብ 2016 ኣብ ቴክኒካውን ሞያውን ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ካብ 10ይ ክሳብ 12 ክፍሊ ንዝርከቡ ተመሃሮ ንምስልጣን ብዝወጸ መደብ፡ ብደረጃ ኮርተዋ፡ ብዕድል ኢና ተዓዊትና ሰርትፊኬት ዝተመረቑ ከምዘለዉ ጠቒሱ ድማ፡ ንተመሃሮ 8ን 9ን ክፍሊ ነበርቲ ኣስመራን ከባቢኣን’ውን፡ ኣብ ግዜ ዕረፍቶም ናይ 4 ዓመት ትምህርቲ ከምእተዋህበ ኣፍሊጡ።

ኣብ 2019 ዝተመረቑ 16 ተመሃሮ ናብ ሃገራዊ ባንድ ምረሻ ተመዲቦም ይነጥፉ ከምዘለዉ፣ ቅድሚኦም ኣብ ባንድ ምረሻ ዝተመደቡ’ውን ፍርያት ቤት-ትምህርቲ ሙዚቃ ኣስመራ ምዃኖም ዝሓበረ ኣቶ ኤልያስ፡ ኣብ’ዚ ግዜ’ዚ፡ ብምኽንያት ለበዳ ‘ኮቪድ-19’ ተደናጒዮም ንዝጸንሑ 55 ተመሃሮ የሰልጥኑ ከምዘለዉ ገሊጹ።

ኣብ 1994 ብውሑድ ቁጽሪ ኣገልግሎት ዝጀመረት ቤት-ትምህርቲ ሙዚቃ ኣስመራ፡ ዛጊት ኣስታት 300 ተመሃሮ ከምዘመረቐት፡ ሰነዳታ የነጽር።

Categories