ኣብ ዓሰብ፡ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ – ኣብ ቱሪዝማዊ ንጥፈታትን ባህርያዊ ጸጋታትን ዘለዎም ኣፍልጦ ንምዕባይ ዝዓለመ ኣስተምህሮ ተዋሂቡ።

ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ሓላፊ ጨንፈር መጽናዕትን ምክትታል ጸጋታት ቱሪዝምን መንእሰይ ዓብደላ ሕዛም፡ እቲ ዞባ ምስ ሰለስተ ሃገራት ዝዳወብ፡ ከምኡ’ውን ካብ ብከላ ነጻ ዝኾነ ገማግም ባሕርን ልዕሊ 60 ደሴታትን ዝውንን ስለዝዀነ፡ ዓቢ ቱሪዝማዊ ሰሓብነት ከምዘለዎ ገሊጹ።

ገማግም ባሕሪ ኤርትራ፡ ብዝተፈላለዩ ዓይነታት ዓሳ፡ ጎብየ ባሕሪ፡ ዕንቊ ባሕሪ፡ ዕንባባታት ባሕሪ፡ ኣግራብ ሾራን ኣዕዋፍን ሃብታምን ማራኺን ምዃኑ ዝጠቐሰ መንእሰይ ዓብደላ፡ ተመሃሮ ነዚ ብግቡእ ተገንዚቦም ኣብ ምምዕባሉን ምዕቃቡን ንቑሕ ተርኦም ከዕዝዙ ተላብዩ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ ንኣገዳስነት’ቲ ኣስተምህሮ ብምጥቃስ፡ ቀጻልነት ክህልዎን ካብ መዋእለ ህጻናት ጀሚሩ ኣብ ኩሉ ደረጃታት ንዘለዉ ተመሃሮ ክወሃብን ተላብዮም።

Categories