ኣብ ንኡስ ዞባ ጎልጅ፡ ውዳበ መንእሰያት ብምሕያል ዝውጠኑ መደባት ንምድንፋዕ ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ሓላፊ ሃማመተኤ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መንእሰይ መርሃዊ በራኺ፡ መንእሰያት በብዝነጥፉሉ ዓውዲ ተጠርኒፎም ኣስተምህሮታት ዝቐስሙሉ፡ ሞያ ዝሰንቁሉን ኣብ ከባቢኦም ኣብ ዝካየዱ ልምዓታዊ መደባት ብንጥፈት ዝዋስኡሉን ባይታ ንምጥጣሕ ዝተተግበሩ ናይ ምውዳብን ምንቃሕን መደባት፡ እወታዊ ውጽኢት ከምእተረኽቦም ኣፍሊጡ።

ኣብ ኦምሓጀርን ጎልጅን ተደሪቱ ዝጸንሐ ኣወዳድባ ማሕበር፡ ናብ ካልኦት ምምሕዳራት ከባቢ ከምዝሰፍሐ’ውን ዝሓበረ መንእሰይ መርሃዊ፡ ዓቕሚ መንእሰያት ንምምዕባል ብዝወጸ መደብ መሰረት፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 80 መንእሰያት ብሞያ ከምዝሰልጠኑ ኣረዲኡ።

ሓላፊ ውዳበን ፖለቲካን ሃማመተኤ ዞባ ጋሽ-ባርካ መንእሰይ ማርቆስ ግርማጼን ብወገኑ፡ ክሳብ ምምሕዳራት ከባቢ ብምውራድ ዝተተግበሩ ናብ መንእሰያት ዝቐንዑ መደባት ብሓፈሻ፡ ኣብ ውዳበ ዘድሃቡ ንጥፈታት ድማ ብፍላይ፡ ሕመረት ናይ’ቶም ብደረጃ ዞባ ዝሰላሰሉ ዓበይቲ ናይ ውዳበን ፖለቲካን መደባት ምዃኖም ብምጥቃስ፡ ብዝለዓለ ክድፋኣሎም ኣተሓሳሲቡ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ጎልጅ ኣቶ ደሴ ዘርኢሚካኤል ድማ፡ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ንተራን ኣበርክቶን መንእሰያት ኣብ ልምዓታውን ድሕነታውን መደባት ብምግንዛብ፡ ንመንእሰያት ማእከል ዝገብሩ መደባት ምስ ቀዳምነታቱ ሰሪዑ ከምዝሰርሓሎም ኣረጋጊጹ።

Categories