ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣቶ የማነ ገብረኣብን ዝቘመ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ ትማሊ 11 ሚያዝያ – መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብ ፕረዚደንት ልኡላዊ መሰጋገሪ ባይቶ ሱዳን ጀነራል ዓብዱልፋታሕ ኣልቡርሃን ኣብጺሑ።

መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ብመሪሕነት ጀነራል ኣልቡርሃን፡ ሱዳን፡ ኣጋጢምዋ ንዘሎ ዕቱብ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ድሕነታውን ብድሆታት ክትሰግሮ ከምእትኽእል፡ ጽኑዕ እምነት ኤርትራ ዘረጋግጽ እዩ።

ፕረዚደንት ኣልቡርሃን፡ ንደገፍ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ድሕሪ ምምስጋን፡ ዋላ’ኳ ውሽጣውን ግዳማውን ሽግራት እንተሎ፡ እቲ ኩነታት ቅኑዕ መኣዝን ሒዙ፡ ናብ ዕዉት መሰጋገሪ መድረኽ ንምብጻሕ ዘኽእል ሰፊሕ ስምምዕ ንምትግባር ይስራሕ ከምዘሎ ገሊጹ።

ክልቲኦም ወገናት ብተወሳኺ፡ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናታትን ዞባዊ ምዕባለታትን እውን ተላዚቦም።

እዚ ከም’ዚ ኢሉ እንከሎ፡ ላዕለዋይ ልኡኽ ኤርትራ፡ ምስ ምኽትል ፕረዚደንት ልኡላዊ መሰጋገሪ ባይቶ ሱዳን ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ (ሕሜድቲ) ከምኡ’ውን ሚኒስተር ፋይናንስ ዶ/ር ጅብሪል ኢብራሂም ተራኺቡ፡ ኣብ ምዕዛዝ ክልተኣዊ ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝን ምድግጋፍን ተመያዪጡ።

ኣብ’ቲ ርክባት፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሱዳን ኣቶ ዒሳ ኣሕመድ ዒሳ ተረኺቡ ነይሩ።

Categories