ኣብ ኣቑርደት፡ ተመሃሮ ካልኣይ ደረጃ ኣብ ጥዕና ዘለዎም ኣፍልጦን መረዳእታን ክብ ንምባል ዝዓለመ ኣስተምህሮ፡ ብክኢላታት ተዋሂቡ።

እቲ ኣስተምህሮ፡ ተመሃሮ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ዝቐስምዎ ጥዕና ጠቀስ ፍልጠት፡ እዋናዊ ጥዕናዊ ሓበሬታ ክረኽቡን ሜላታት ምክልኻል ሕማማት ክፈልጡን ዝዓለመ ምዃኑ፡ ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ ተሓቢሩ።=

ነርስ ዓብዱራሕማን ስዒድ ንኣገዳስነት ልግሲ ደምን ካልእ ጥዕና ጠቀስ ዛዕባታትን ብዝምልከት ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ልግሲ ደም ምስ ምድሓን ህይወት ብቐጥታ ስለዝተኣሳሰር፡ ተመሃሮ ኣገዳስነቱ ተገንዚቦም ዘይትትካእ ሂወት ንምድሓን፡ ኣብ መደባት ልግሲ ደም ክሳተፉ ተላብዩ።
ጸሓፊት ሃማደኤ ኣብ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት ወ/ሮ ሓሲና ዑመር ብወገና፡ ኣብ ደቂኣንስትዮ ጥዕናውን ስነ-ኣእምሮኣውን ሳዕቤናት ብዛዕባ ዘለዎም ሃሰይቲ ልምድታት መብርሂ ብምሃብ፡ ኣብ ምግትኦም ብንቕሓት ክዋስኡ ጸዊዓ።

ተሳተፍቲ ብወገኖም፡ እቲ መደብ ንቕሓቶም ኣብ ልግሲ ደምን ምምካት ሃሰይቲ ልምድታትን ንምስፋሕ ከምዝሓገዞም ብምሕባር፡ ክድፋኣሉ ኣተሓሳሲቦም።

Categories