ኣመሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ ወ/ሮ ኣስመረት ኣብርሃ፡ ኣብ ንኡስ ዞባታት ገልዓሎን ፎሮን ተዋዲዱ ዘሎ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ዘለዎ ሕጽረታትን ንምዕዛብ ብ7ን 8ን ሚያዝያ ዑደት ኣካዪዳ።

ወ/ሮ ኣስመረት ኣብ ዑደታ፡ ጸገም ጽሩይ ዝስተ ማይ ምምሕዳር ከባቢ ባዳ ንምፍታሕ ኣብ 2010 ዝተዋደደን ካብ ወርሒ ሰነ 2021 ስርሑ ኣቋሪጹ ዘሎን ብጸሓያዊ ጸዓት ዝሰርሕ ፕሮጀክት ኣብ ዝበጽሓትሉ፡ እቲ ሽግር ብዛዕባ ዝፍታሓሉ፡ ምስ ክኢላታትን ኣመሓደርትን ተመያዪጣ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ፎሮ – ምምሕዳራት ከባቢ ኢራፋለን ገደም-ላሓዜንን ብውሕጅ ዝዓነወ ትሕተ-ቅርጺ ፕሮጀክት ማይን ተጀሚሮም ዘይተወድኡ መደባትን ድሕሪ ምዕዛብ ድማ፡ ወ/ሮ ኣስመረት ተቛሪጾም ዘለዉ ፕሮጀክትታት ብዛዕባ ዝበራበሩሉን ዝዓነወ ትሕተ-ቅርጺ ዝጽገነሉን ዝትካኣሉን መዳያት፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዘትያ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ንኡስ ዞባ ገልዓሎ ዝርከባ ትካላት ጥዕናን ትምህርትን ዝበጽሐት ኣመሓዳሪት ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ዘለወን ሕጽረት ፍታሕ ብዛዕባ ዝረኽበሉ ኣገባባት፡ ምስ ኣመሓደርትን መምህራንን ተዘራሪባ።

ወ/ሮ ኣስመረት ኣብ ዑደታ፡ ምስ ዓበይቲ ዓዲ ባዳን ዓዳይቶን ኣብ ዝገበረቶ ርክብ፡ ህዝቢ ተወዲቡን ዓቕሚታቱ ኣወሃሂዱን ሽግራቱ ንምቅላል ክወስዶም ኣብ ዘለዎ ተበግሶታት፣ ተራ ዓበይቲ ዓዲ ኣብ ምእላይ ጐዳእቲ ልምድታት፣ ከምኡ’ውን ሕርሻዊ ንጥፈታት ንምምዕባል ክካየድ ኣብ ዝከኣልንጥፈታት ተላዚባ።

Categories