መጐዓዝያ ዝምልከት ኣዋጅ ቊጽሪ 174/2013 ከምኡ’ውን በዓል-መዚ መጐዓዝያ ምድሪ ዘውጸኦ ንሕጋዊ ታሪፍን ምንቅስቓስን ዝምልከት መምርሒ ተማእዚዞም ክሰርሑን ግቡእ ኣገልግሎት ክህቡን፡ መዘኻኸሪ ቀሪቡ።

ኣብ በዓል-መዚ መጐዓዝያ ምድሪ ዳይረክተር ጨንፈር ምቁጽጻር ድሕነት ተሽከርከርቲ ኣቶ በየነ ተስፋማርያም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ትግባረ ዝወጹ ኣዋጃትን መምርሒታትን ንምርግጋጽ፡ በቲ በዓልመዚ ቀጻሊ ናይ ምቊጽጻር ንጥፈታት ከምዝካየድ፣ ንዝተራእየ ጉድለት ድማ ከከም ደረጅኡ ናይ ምእራም ስጒምቲ ከምዝውሰድ ኣብሪሁ።

ኣብ ዞባ ማእከል ኣብ ወርሒ መጋቢት 2022 ብዝተኻየደ ቁጽጽራዊ ስራሕ፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ታሪፍ ከኽፍሉን ብዘይ ፍቓድ መምርሒ ተሽከርካሪት ክመርሑን ዝተረኽቡ፣ ከምኡ’ውን ብጉድለት ቴክኒካዊ ብቕዓት ዝተታሓዙ 60 መራሕቲ ታክሲ ገንዘባዊ መቕጻዕትን ንዝተወሰነ ግዜ ካብ ስራሕ ናይ ምእጋድን ስጒምቲ ከምእተወስዶም ዝገለጸ ኣቶ በየነ፡ ህዝቢ ኣንጻር ረብሕኡ ንዝሰርሑ ዓገብ ክብል፣ ማሕበር ወነንቲ ታክሲ ድማ ኣብ ምቁጽጻር ኣባላቱ ዕቱብነት ከርኢ ተማሕጺኑ።

ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ከባቢ ዓበይቲ ተርሚናላትን ብሎኮታትን ብዝተኻየደ ቁጽጽራዊ ስራሕ፡ ኣብ ዘይሕጋዊ ስራሕ ተዋፊሮም፡ ብዝተጋነነ ታሪፍ ህዝቢ ከመላልሱ ዝጸንሑ 160 ወነንቲ ኮድ-1 ናይ ገዛ ማካይን፡ ነፍሲ-ወከፎም ክሳብ 10 ሽሕ ናቕፋ ገንዘባዊ መቕጻዕቲ ከምእተበየነሎም፣ ነቲ ዘይሕጋዊ ስራሕ ኣብ ልዕሊ ዝቐጸሉ ድማ ክሳብ ናይ ምውራድ ታርጋን እገዳን ስጒምቲ ከምእተወስደ ሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ ኣቶ በየነ፡ ንግዝያዊ ረብሓ ክብሉ ኣብ ዘይተፈቕደሎም ስራሕ ዝዋፈሩ ወነንቲ ማካይን ኮድ1ን ዘይሓላፍነታውያን ወነንቲ ታክሲን፡ ብመሰረት ሕጋጋትን መምርሒታትን በዓል-መዚ መጐዓዝያ ምድሪ ክመላለሱ፣ ኩሎም ወነንቲ ማካይን ብሓፈሻ ድማ ዓመታዊ መርመራ ጥዕና ተሽከርከርቲ ማለት ቦሎ-ክላውዶ ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ።

ብሃገር ደረጃ 1,228 ታክስታት ከምዘለዋ፣ ካብዚአን እተን 1,160 ኣብ ንጡፍ ስራሕ ከምዝርከባ፡ ሰነዳት በዓልመዚ መጐዓዝያ ምድሪ የነጽር።

Categories