ኣባላት ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ኤርትራ፡ ሓለፍቲ ክፍልታትን ጨናፍርን ምምሕዳር ዞባ ሰሜናዊ ቀይሕ ባሕሪ፡ ከምኡ’ውን ክኢላታት ኣከባቢ፡ ኣብ 1995 ንዝተዳለወ ውጥን ምሕደራ ኣከባቢ ኤርትራ ንምኽላስን ንምሕዳስን ተጀሚሩ ኣብ ዘሎ ስራሕ – ብ6 ሚያዝያ ኣብ ባጽዕ ዘተ ኣካዪዶም።

ኣወሃሃዲ ፕሮጀክት ምኽላስ ሃገራዊ ውጥን ምሕደራ ኣከባቢ ኤርትራ ኣቶ ዮናስ ገብረህይወት፡ ቀንዲ ዕማም ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ኤርትራ ኣብቲ ሃገራዊ ውጥን፡ ኣገልግሎት ምኽሪ ምሃብ ምዃኑ ጠቒሱ፡ ኣብ ትሕዝቶን ቅጥዕን ናይ’ቲ ዝቐርብ ውጥን ንምልዛብን ኣገደስቲ ሓሳባትን ምኽርታትን ንምእካብን ምዃኑ ገሊጹ።

ግዝያዊ ዳይረክተር ማእከል ትካላዊ ብቕዓት ኤርትራ ዶ/ር ኣቤል ሃብተማርያም ድማ፡ ሰነድ ውጥን ምሕደራ ኣከባቢ ኤርትራ ዝወጽኣሉ እዋን እናተቓረበ ይመጽእ ስለዘሎ፡ ኣብ’ዘን ተሪፈን ዘለዋ ኣዋርሕ፡ ንምሕደራ ኣከባቢ ዝሕግዝ ሓበሬታ ብኣጋ ዝእከበሉ መዳይ ክናደ፣ ከምኡ’ውን ምስ’ቲ ኣብ’ቲ ዞባ ነቲ ዕማም ዘሰላስል ብውህደት ክስራሕ ተላብዩ።

ዋና ዳይረክተር ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ኣቶ ሚካኤል ተኪኤ፡ ኣብ ዝሓለፈ 26 ዓመታት ንዝነበረ ምሕደራ ኣከባቢ ገምጊምካን፡ ነቲ ዘሎ ኵነታት ኣብ ግምት ኣእቲኻን መጽናዕቲ ብምግባር ናይ መጻኢ ውጥን ምድላው ቀሊል ዕማም ከምዘይኰነ ብምምልካት፡ ጒዳይ ኣከባቢ ዘይትንክፎ ኣካል ስለዘየለ፡ ኣበርክቶን ዕቱብነትን ናይ ነፍስ-ወከፍ ጨንፈር ወይ ክፍሊ
ክዓዝዝ ኣተሓሳሲቡ።

ተሳተፍቲ፡ ዝዀነ ዝበጋገስ መደባት ብውህደት ክስራሕ፣ ባህላዊ ኣገባባት ምሕደራ ኣከባቢ ኣብ ግምት ክኣትዉ፣ ኵለን ዓድታት መወገዲ ጐሓፍ ከምዝህልወን ክግበር፣ ኣብ ገማግም ባሕሪን ደሴታትን ዝካየድ ንጥፈታት ብዝተጸንዐ ኣገባብ ክካየድ፣ ስርዓት ምሕደራ ሓበሬታ ክተኣታቶ፡ ዝብሉ ርእይቶታትን ሓሳባትን ኣቕሪቦም።

Categories