መንግስቲ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2007 ኣብ ሳዋ ንዝተኸፍተ ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት – ብዓቕሚ-ሰብን መሳርሒታትን ንምምዕባል ክገብሮ ብዝጸንሐ ገዚፍ ወፍሪ፡ ኣብ ብቕዓት ስልጠናታት ርኡይ ገስጋስ ተመዝጊቡ ምህላዉ፡ መማህራንን ተመሃሮን ገሊጾም።

ርእሰ-መምህር ቤት-ትምህርት ቴክኖሎጂ ህንጻ 02 መምህር ላይነ ያዕቆብ፡ ኣብ ቤት-ትምህርቶም – ሓፈሻዊ ስራሓት ሓጺን፡ ጽርበት ዕንጸይቲ፡ ስነ-ሻምብቆን ምዝርጋሕ ማይን፡ ሓፈሻዊ ስራሓት ዕንጸይቲን ቤት-ዕዮ ማሺንን፡ ብጠቕላላ ሓሙሽተ ዓውድታት ሞያ ዘጠቓልል ስልጠና ከምዝወሃብ ብምሕባር፡ ብፍላይ ኣብ 2017 ዝተኣታተወ ዘመናዊ መምሃሪ ማሽነሪታትን ናውቲ ትምህርትን፡ ኣብ ብቕዓት ዝወሃብ ትምህርቲ ልዑል ኣስተዋጽኦ ይገብር ከምዘሎ ገሊጹ።

ርእሰ-መምህርት ቤት-ትምህርት ቴክኖሎጂ ህንጻ 01 መምህር ነጋሲ ክፍለ ብወገኑ፡ ብሽዱሽተ ዓውድታት – ማለት ኣውቶ-መካኒክ፡ ህንጻዊ ስራሓት፡ ጽገና ኮምፕዩተርን ስርዓተ-መርበብን፡ ኤለክትሪሲቲ፡ ኤለክትሮኒክስ፡ ምሕደራ ንብረት፡ ከምኡ’ውን ፍርጅን ስርዓተመዝሓልን ከምዘሰልጥኑ ብምሕባር፡ ልዑል ድሌት ተመሃሮ፡ ተወፋይነትን ውህደትን መማህራንን ኣለይትን ተሓዊስዎ፡ እቲ ዝድለ ብቕዓት ይረጋገጽ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ተመሃሮ፡ ተዋዲዱ ብዘሎ ምቹእ ናይ ትምህርቲ ዕድል፡ ብዘመናዊ ማሽናት ዝተደገፈ ብቑዕ ሞያታት ክዓጥቁ በቒዖም ከምዘለዉ ብምጥቃስ፡ ኣብ ባይታ ብዝለዓለ ከምዝሰርሑሉን ከምዘማዕብልዎን ኣረጋጊጾም።

ኣብያተ-ትምህርቲ ቴክኖሎጂ ህንጻ 01ን 02ን ከምኡ’ውን ቤት-ትምህርቲ ንግድን ምሕደራን ዘጠቓልል ማእከል ሞያዊ ስልጠናታት – ሳዋ፡ ልዕሊ 23 ሽሕ ተመሃሮ ብዝተፈላለየ ሞያታት ኣመሪቑ ኣሎ።

Categories