ኣብ ንኡስ ዞባ ሓጋዝ፡ ሓረስቶት በብምምሕዳር ከባቢኦም፡ ጥብ ዝበለት ማይ ብምዕቃብን መሬት ብምርጋእን እቶትን እቶታውነትን ክብ ንምባል፡ ቅድሚ ክረምቲ ምእታዉ ኣብ ናይ ሕርሻ መሬቶም ወፈራታት የካይዱ ኣለዉ።

ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ከባቢ ዓድ-ዑመር ኣቶ መሓመድ መሓመድ-ኢብራሂም፡ ህዝቢ’ቲ ምምሕዳር ከባቢ በብእዋኑ ከካይዶ ካብ ዝጸንሐ ዝተወደበ ማእቶት ብዝረኸቦ ረብሓታት ተተባቢዑ፡ ነቲ ስራሕ ዓመት መጽአ ብስሩዕ ይትግብሮ ከምዘሎ ገሊጹ።

እቲ ካብ መፈለምታ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ፡ ካብ ዖብለት ክሳብ ከባቢ ደምበ ዓዲጸጋይ ኣብ ዝርከብ ጎላጉል ዝዕመም ዘሎ ወፈራ፡ ምስራሕ ጀሪፋትን ዛላታትን ዘጠቓለለ ኮይኑ፡ መዓልታዊ ልዕሊ 200 ጉልበት እናተሳተፎ፡ ዛጊት 80 ሄክታር ከምእተጀረፈ፡ ኣቶ መሓመድ ወሲኹ ገሊጹ።

ካብ ከተማ ሓጋዝ 42 ኪሎ-ሜተር ንሸነኽ ደቡባዊ ምብራቕ ርሒቓ እትርከብ ምምሕዳር ከባቢ ዓድ-ዑመር፡ ንዓድታት ዓድ-ዑመር፡ ደምበ ዘራጼን፡ ደምበ ዓዲ-ጸጋይ፡ ደምበ ዓዲ-ተስፉን ጉልድሚትን ትጥርንፍ።

Categories