ኣብ ዞባ ማእከል፡ ብምትሕብባር ፖሊስ ትራፊክ፡ ኣባላት ሸሞንቲአን መደበራት ፖሊስን ወሃቢ-ደገፍ ኣሃዱን ዝተወደበ ቅነድሕነት፡ ኣብ ምኽባር ሕግታት ትራፊክን ምክልኻል ሓደጋታትን ዝጸንሐ ንቕሓት ኣብ ምብራኽ፡ ዝምስገን ውጽኢት ሂቡ።

እዚ ካብ 21 መጋቢት ክሳብ 2 ሚያዝያ 2022 ንኣስታት ክልተ ሰሙን ዝተኻየደ ወፍሪ፡ መቐጸልታ ናይ’ቲ ኣኣብ ሰለስተ ወርሒ ዝካየድ መደብ “ሓደጋ-ኣልቦ ሰሙን” ምዃኑ፡ ፖሊስ ዞባ ማእከል ሓቢሩ።

መሰረታዊ ዕላማ ናይ’ቲ ወፍሪ፡ ኣጋር ይኹኑ መራሕቲ ተሽከርከርቲ፡ ኣብ ትራፊካዊ ድሕነት ዘለዎም ኣፍልጦ ኣበሪኾም፡ ኣብ ምክልኻል ሓደጋታት እጃሞም ከበርክቱ ንምንቕቓሕን ድርኺት ንምፍጣርን ምዃኑ፡ ፖሊስ ዞባ ማእከል ወሲኹ ኣረዲኡ።

ኣብ’ቲ ቅነ ብዝተገብረ ጥቡቕ ምክትታል፡ ሕግታት ትራፊክ ዝጠሓሳ 4,400 መካይን፣ 257 ብባተሪ ዝንቀሳቐሳ ሞቶታት፣ 4,805 ብሽክለታታት፡ ብድምር 9,400 ተሽከርከርቲ ከምእተቐጽዓ፡ እቲ ሓበሬታ ገሊጹ።

ፖሊስ ዞባ ማእከል ኣብ መወዳእታ፡ ህዝቢ ምስ’ቶም መዓልታዊ ን12 ሰዓታት ኣብ ጐደናታት ኣስመራ ዝቐነዩ ኣባላት ፖሊስ ንዘርኣዮ ምትሕብባር ብምምስጋን፡ ሓደጋታት ትራፊክ ንምግታእ ኩሉ ዜጋ እጃሙ ከበርክት ተላብዩ።

Categories