\ሚኒስትሪ ሕርሻ፡ ናይ ቅብኣት ዘራእቲ ንምስፋሕ ብዝገብሮ ዘሎ ፈተነታት፡ ኣብ ዝሓለፈ ወቕቲ ዝተፈተነ ልምዓት ኣድሪ ዘይቲ፡ ኣተባባዒ ውጽኢት ከም እተረኽቦ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ሚኒስትሪ ክኢላ ልምዓት ዘራእቲ ወይዘሪት ሜሪ ካሕሳይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወቕቲ ኣብ ዞባታት ማእከልን ደቡብን 32 ደቂ-ኣንስትዮ ዝርከባኦም 300 ሓረስቶት ዝተሳተፉዎ፡ ኣብ ኣስታት 76 ሄክታር ፈተነ ልምዓት ኣድሪ ዘይቲ ከም እተኻየደ ሓቢራ።

ኣድሪ ዘይቲ፡ ግቡእ ሕርሻዊ ክንክን እንተረኺቡ ካብ ሄክታር ክሳብ 20 ኩንታል ክህብ ከምዝኽእል ዝሓበረት ወይዘሪት ሜሪ፡ ሎሚ ዓመት ዝተፈተነ ምብዛሕ ዘርኢ ውጽኢቱ ኣተባባዒ ከምዝነበረ ገሊጻ።

ሃገራዊ ትካል ሕርሻዊ ምርምር፡ ንልምዓት ኣድሪ ዘይቲ ካብ 2010 ጀሚሩ ብንኡስ ምርምራት ክፍትኖ ከምዝጸንሐ፣ ካብ ዝመጽእ ወቕቲ ግና ብዝሰፍሐ ተዘርጊሑ፡ ሓረስቶትን ኣመስራሕቲ ዘይትን ብግቡእ ንኽላለዩዎ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ፡ እቲ ሚኒስትሪ ኣገንዚቡ።

ኣድሪ ዘይቲ፡ ጉንዱን ቈጽሉን ሃብታም መግቢ እንስሳ ክኸውን እንከሎ፡ ዕንባባኡ ድማ ብኣናህብ ተፈታዊ ምዃኑ ይፍለጥ።

ቀንዲ ብድሆ ልምዓት ኣድሪ ዘይቲ፡ ሕቶ ዕዳጋ ክኸውን ስለዝኽእል፡ ብዘላቕነት ክቕጽል እንተዀይኑ፡ ኣብ ምምስራሕን ምጽማቝን ዘይቲ ዝነጥፉ ውልቀ-ሰባትን ትካላትን ተሳትፎኦም ከዕዝዙ፡ ሚኒስትሪ ሕርሻ ኣዘኻኺሩ።

Categories