ኣብ ዞባ ማእከል፡ ሞያዊ ዓቕሚ መማህራን ንምዕባይ ዝውደብ ስልጠናታት፡ ኣብ መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ብሓፈሻ፡ ኣብ ምምሕያሽ ውጽኢት ተመሃሮ ድማ ብፍላይ ጽቡቕ ውጽኢት ይህብ ኣሎ።

ኣብ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ሓላፊ ኣሃዱ መጽናዕቲ፡ ውጥንን ስልጠናን መምህር ማቴዎስ ስብሃትለኣብ፡ እቲ ኣሃዱ ዓመታዊ ህልው ሓበሬታ ኣብያተ-ትምህርቲ ብምእካብ፡ መስሪሑ ንዝምልከቶ ኣካል ከምዘቕርብን ንሓፈሻዊ ውጥን ምዕባለ ከምዝሰርሕን ጠቒሱ፡ ሞያዊ ዓቕሚ መማህራን ንምዕባይ፡ ኣብ ምሕደራ ክፍሊ፡ ውጥን ምህሮ፡ ኣገባብ ኣመሃህራን ኣገማግማን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ስነ-ምግባር መምህርን ምሕደራ ግዜን ዝቐንዐ ስልጠናታት ከምዝውደብ ገሊጹ።

እቲ ስልጠናታት፡ ብዞባ ጥራይ ዘይኮነ ብደረጃ ኣብያተ-ትምህርቲ እውን ከምዝካየድ ብምሕባር ከኣ፡ ነዚ ንኽሕግዝ ተባሂሉ፡ ንኩለን ኣብያተ-ትምህርቲ ናይ 5 ዓመት ውጥን ምዕባለ ትምህርቲ ከምዝወሃበንን ቀጻሊ ምክትታል ከምዝግበረለንን ኣረዲኡ።

ዝነበረ ዋሕዲ መማህራን ኣብ ዓመተትምህርቲ 2021/2022 ከም እተፈትሐ ዝሓበረ መምህር ማቴዎስ፡ እቶም ሓደስቲ መማህራን – ሰልጢኖም በብደረጃኦም ኣብ ኩለን ኣብያተ-ትምህርቲ ተመዲቦም የምህሩ ከምዘለዉ ገሊጹ። ውጥን ምህሮ ንምዕዋት፡ ኣብያተጽሕፈት ትምህርቲ ኣብ ንኡሳን ዞባታትን መማህራንን ጻዕርታቶም ከሐይሉ ድማ ኣዘኻኺሩ።

Categories