ባይቶ ዞባ ደቡ መበል 20 ስሩዕ ኣኼባኡ ብ7 ሚያዝያ ኣብ ከተማ መንደፈራ ኣቃኒዑ።

ኣቦ-መንበር ባይቶ መምህር ወልዳይ ገብረ፡ ምህናጽ ሓያል ሃገራዊ ቁጠባ፣ ምንጋስ ማሕበራዊ ፍትሒ፣ ልምዓታውን ድሕነታውን መደባት፣ ከምኡ’ውን ምውሓስ ሃገራዊ ጸጥታን ርግኣትን ካብ’ቶም ዝጽበዩና ዘለዉ ዓበይቲ ጉዳያት ምዃኖም ብምዝኽኻር፡ ተሳትፎ ሕብረተ-ሰብ ኣብ ኩሉ ሃገራዊ ዕማማት ክዓዝዝ ጸዊዑ።

መምህር ወልዳይ፡ እቲ ምምሕዳር ዞባ ደቡብ ኣብ’ዚ ዓመት’ዚ ምዕሩይ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ብምስፋሕ፡ ስሉጥን ርትዓውን ኣገልግሎታት ንምሃብ ዝዓለመ – ንኣባላት ክፍሊ ህንጻዊ ልምዓትን ኣታዊ ውሽጢ ሃገርን ዝወደቦ ስልጠና፡ ኣብ’ተን ካልኦት ጽላታት እውን ክቕጽል ኣዘኻኺሩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ኣቶ ሃብተኣብ ተስፋጽዮን፡ መደባት ሕርሻዊ ትሕተ-ቅርጺ፡ ህንጻዊ ልምዓት፡ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ቀረብ ጽሩይ ዝስተ ማይን ብዕቱብ ክስራሓሎም ዝጸንሑ ምዃኖም ብምሕባር፡ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ ትምህርቲ ውጽኢታዊ ስራሕ ንምትግባር – ምምሕዳር ምስ ህዝቢን ኣባላት ባይቶን ብውህደት ክሰርሕ መደብ ስለዘሎ፡ ኣባላት ባይቶ ብትግሃት ክሰርሑ ኣተሓሳሲቡ።

ባይቶ ኣብ መወዳእታ፡ መርዓ ትሕቲ ዕድመ ደቂ-ኣንስትዮ መግትኢ ክግበረሉ፣ ዝንቀሳቐሱ ቅርሲታት ቤተመዘክር ክዳለዎሎም፡ ዘይንቀሳቐሱ ድማ ግቡእ ሓለዋ ክግበረሎም፣ ሓረስቶት ዑደት ዘርኢ ከዘውትሩን እዋናዊ ሓበሬታ ክወሃቦምን፣ ሕብረተሰብ ገበናትን
በደላትን ንምክልኻል ብንቕሓት ክነጥፍን ንድሕነት ከባቢኡ ብግቡእ ክከታተልን. . . ዝብሉን ካልኦትን ውሳኔታት ኣሕሊፉ።

ብዘይካ’ዚ ባይቶ፡ ጸገም መጓዓዝያ ንምቅላል፡ ናይ ግሊ ኣውቶቡሳት ዕቱብ ቁጽጽር እናተገብረለን ዝሰርሓሉ ኩነታት ክፍጠር፣ ተጠቃምነት መጎጎ ኣድሓነት ክሰፍሕ፣ ከምኡ’ውን ህዝቢ ኣብ ትግባረ ውሳኔታትን ለበዋታትን ባይቶ ተሳታፍነቱ ከዕዝዝ ተላብዩ።

Categories