ክፍሊ ሕርሻን መሬትን ዞባ ደ/ቀ/ባሕሪ፡ ኣብ ምዕቃብ ጸጋታት ባሕሪ ብሓፈሻ፡ ኣብ ገረብ ሾራ ድማ ብፍላይ ዘተኰረ – ብ30 መጋቢት ምስ ኣመሓደርቲ ከባቢ፡ ኣካየድቲ ስራሕን ማሕበራት ተራድኦን ዘተ ኣካዪዱ።

ኣብ ከተማ ዓሰብ ኣብ ዝተኻየደ ዘተ፡ ግዝያዊ ሓላፊ ናይ’ቲ ክፍሊ ኢንጂነር ዑመር ማሕሙድ፡ ካብ ረሓይታ ከሳብ ምዕዲር ኣብ ዘሎ ገማግም ባሕሪ ንዝርከብ 260 ሄክታር ዝሽፍን ገረብ ሾራ ንምዕቃብን፡ ኣብ ገማግም ባሕሪን ደሴታትን ተወሳኺ ንምግራብን ዝተታሕዘ መደብ፡ ኣብ 2022 ብውህደት ክስራሓሉ ምዃኑ ገሊጹ።

ገረብ ሾራ፡ ሂወታዊ ብዙሕነት ባሕሪ ንምዕቃብን ምስሳንን፡ ከምኡ’ውን ሚዛን ክሊማ ንምሕላው ሓጋዚ ምዃኑ ዝሓበረ ኢንጂነር ዑመር፡ ኣብ ኩሉ ከባቢታት ገማግም ባሕሪ መደበራት ፈልሲ ገረብ ሾራ ንምትእትታው መደብ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

ኣብ መወዳእታ፡ ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣምባሳደር መሓመድስዒድ ማንታይ፡ ዓቕሚታት ገፈፍቲ ዓሳን ምህርቲ ዓሳን ንምድንፋዕ፡ ልዑል ኣትኲሮ ተዋሂቡዎ ክስራሓሉ ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ ማሕበራት ተራድኦ ገፈፍቲ ዓሳ እውን ጻዕሪታቶም ከሐይሉ ኣዘኻኺሩ።

Categories