ኣባላት ውዳበ ሰራሕተኛታት መንእሰያት ዞባ ማእከል፡ ኣብ ዞባ ደቡብ ዝሰላሰል ዘሎ ልምዓታውን ትሕተ-ቅርጻውን መደባት ንምዕዛብ፡ ብ4 ሚያዝያ ኣብ ዝተፈላለየ ቦታ ዑደት ኣካዪዶም።

ኣመሓዳሪ ዞባ ማእከል ኣቶ ፍስሃየ ሃይለን ሓለፍቲ ክፍልታትን እውን ምስኣቶም ተጓዒዞም ነይሮም።

እቶም ዲጋታት ሎጎን ምስላምን ከምኡ’ውን ኣብ ሓልሓለ ዝሰላሰል ዘሎ ሕርሻዊ ልምዓትን ትካል ፍርያት ጸባን ዝበጽሑ መንእሰያት፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብኡ ዝካየድ ዘሎ ንጥፈታትን ናይ መጻኢ መደባትን መብርሂ ተዋሂብዎም።

ኣብ ኮርፖሬሽን ጥሪትን ዘራእትን ሓላፊ ፕሮጀክት መፍረ ናይ ጸባ ከብቲ መንእሰይ ጅምዕ ዓብደላ፡ እቲ ትካል ኣብ 2017 ብውሑዳት ናይ ጸባ ከብቲ ከም እተመስረተን፡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ – ብሞያዊ ዓቕሚ ሰብ፡ መሳርሒታትን ጥሪትን ኣዝዩ ደልዲሉን ሰጒሙን ከምዘሎን ገሊጹሎም።

ሓላፊ ፕሮጀክት ዲጋ ምስላም ኢንጂነር ብርሃነ በየነ እውን፡ እታ ዲጋ ሓንቲ ካብ’ተን ብውሽጣዊ ክኢላዊ ዓቕሚ ዝተሃንጻ ስራተጂካውያን ከዘንቲ ማይ ምዃናን፡ ልዕሊ 40 ሚልዮን ሜተር ኲብ ናይ ምውህላል ዓቕሚ ከምዘለዋን ጠቒሱ፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣብ ቀረብ ዝስተ ማይ ዘለዋ ኣበርክቶ፡ ኣብ ትሕቲኣ ክሳብ 500 ሄክታር ይለምዕ ከምዘሎ ኣረዲኡ።

Categories