ኣብ ምሕያል ኤርትራዊ ጥርናፈ ዝነጥፍ ኤርትራዊ ማሕበረ-ሰብ ኣብ ሽወደን – ”ዕዉት ማሕበረ-ሰብ፡ ንዓወት ኤርትራዊ ሃገራውነት” ብዝብል ቴማ፡ ብ26 መጋቢት ኣብ ስቶክሆልም ዓመታዊ ጉባኤ ኣካዪዱን፡ ሓዳስ ኣካያዲት ሽማግለ መሪጹን።

ኣብ’ቲ ካብ መላእ ሽወደን ዝመጽኡ ልዕሊ 100 ወከልቲ ማሕበረ-ኮማት ዝተረኽቡሉ ጉባኤ፡ ፈጻሚ ጉዳያት ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሃገራት ስካንዲናቪያ ኣቶ ዮናስ ማና፡ ’ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ሽወደን’፡ ኤርትራዊ ኣብ ምጥርናፍን ምስ ባህሊ ሽወደን ኣብ ምልላይን ዓቢ ግደ ከም እተጻወት ብምምልካት፡ ኤርትራዊ መንነት ኣብ ምጒላሕ እውን ብዝለዓለ ክሰርሕ ተላብዩ።

ኣቦ-መንበር ’ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ኣብ ሽወደን’ ኣቶ ቢንያም ምስግና ድማ፡ ኣብ ስራሕ ዝጸንሐት ኣካያዲት ሽማግለ፡ ምስ ብድሆታት ለበዳ ’ኮቪድ-19’ ውጽኢታዊ ስራሕ ከምዝዓመመት ብምጥቃስ፡ ካብ ነዊሕ ክስራሓሉ ዝጸንሐ ምትብባዕ ወፍሪ ኣብ ኤርትራ ንምድንፋዕ፡ ማሕበረኮማት ሓበሬታ ኣብ ምዝርጋሕ ክነጥፋ ኣዘኻኺሩ።

ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዘይተተግበሩ መደባት፡ ቀዳምነት ተዋሂብዎም ኪትግበሩ ዝተላበወ ኣቶ ቢንያም፡ ማሕበረ-ኮማት ኣብ ምውርራስ ኤርትራዊ ባህሊ፡ መንነትን ታሪኽን ብዕቱብ ኪሰርሓ ጸዊዑ።

ጉባኤኛታት፡ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻባት ድሕሪ ምዝታይ፡ ነቲ ማሕበረ-ሰብ እትመርሕ 14 ዝኣባላታ ሓዳስ ሽማግለ መሪጾም።

Categories