ኣብ ንኡስ ዞባ እምኒ-ሓይሊ፡ ጥዕና ኣከባቢ ብምውሓስ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ንምክልኻል ዝተበገሰ ኮም ዘማእከለ መደባት ከባቢያዊ ጽሬት ብምልኣት ከም እተተግበረ፣ ኣብ ንኡስ ዞባ ጎልጅ ድማ ጽቡቕ ይቕጽል ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ሓላፊ ማእከል ጥዕና ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ነርስ በርሀ ኪዳነ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተጀመረ መደብ፡ ብዝተኻየደሉ ውሁድ ጻዕሪ 106 ዓድታት ብጽፈት ከምዘተግበራኦ ገሊጹ።

ክኢላ ህዝባዊ ጥዕና መንእሰይ ሃብቶም ኪዳነ፡ እቲ ውጥን ድሕሪ ምትግባሩ፡ ተርእዮ ተመሓላለፍቲ ሕማማት ብ15 ሚእታዊት ከምዝነከየ ሓቢሩ።

ግዝያዊት ኣመሓዳሪት ናይ’ቲ ንኡስ ዞባ ወ/ሮ ትርሓስ ፍቓዱ፡ ነበርቲ ኣብ’ቲ ስራሕ ንዘርኣይዎ ንቑሕ ተሳትፎ ብምምጓስ፡ ቀጻልነቱ ከውሕሱ ኣዘኻኺራ።

ኣብ ንኡስ ዞባ ጎልጅ እውን፡ ኮም ዝመርሖ መደባት ከባቢያዊ ጽሬት ጽቡቕ ይቕጽል ከምዘሎ ተሓቢሩ።

ነበርቲ ምምሕዳራት ከባቢ ኣይተርፍ፡ ተበልድያ፡ ሳቡናይት፡ ገርገፍ፡ ገርሰትን ድሬሳን ዝተግበርዎ መደባት ኣፍልጦ ንምሃብ፡ ኣብ ዝተወደበ ስነ-ስርዓት፡ ሓላፊ ከባቢያዊ ጥዕና ኣቶ ምኪኤለ ገብረሂወት፡ ንቕሓት ሕብረተሰብ ኣብ ኣገዳስነት ኮም ዝመርሖ ከባቢያዊ ጽሬት እናበረኸ ይመጽእ ከምዘሎ ገሊጹ

ካብ 72 ዓድታት – እተን 56 ነቲ መደብ ከምዘተግበራኦ ድማ ኣረዲኡ።

ኣመሓዳሪ’ቲ ንኡስ ዞባ ኣቶ ደሴ ዘርኣሚካኤል፡ እቲ መደብ ኣብ 2022 ምሉእ ብምሉእ ክዛዘም ይስራሓሉ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ኣብ 13 ምምሕዳራት ከባቢ ተግባራዊ ከምዝዀነን፡ ኣብ ዝተረፋ 3 ምምሕዳራት ከባቢ ይስራሓሉ ምህላዉን ገሊጹ።

Categories