ምንቅስቓስ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ጁባን ከባቢኣን – ደቡብ ሱዳን፡ “ክተት ከም መድረኻዊ ግድነት” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ብ3 ሚያዝያ ሳልሳይ ጉባኤ ኣቃኒዑ።

ኣብ’ቲ ኣስታት 200 ኣባላት ዝተሳተፍዎ ጉባኤ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሪፓብሊክ ደቡብ ሱዳን ኣቶ ዮውሃንስ ተኽለሚካኤል፡ እቲ ካብ ዝምስረት 7 ዓመታት ዝገበረ ምንቅስቓስ መንእሰያት ህግደፍ ኣብ ጁባን ከባቢኣን፡ ክሳብ ሕጂ ጽቡቕ ስራሕ ከሰላስል ምጽንሑ ብምምልካት፡ ንኩሎም ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ምንቃሕን ምውዳብን ዝያዳ ክጽዕት ኣዘኻኺሩ።

ምክትል ኣቦ-መንበር ናይ’ቲ ምንቅስቓስ መንእሰይ ተኽለኣብ በረኸትኣብ ጸብጻብ ስራሓት ከቕርብ እንከሎ፣ ማሕበረ-ኮምን ሃማደኤን ናይ ደገፍ ቃል ኣስሚዖም።

ተጋባእቲ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ ድሕሪ ምዝታይ፡ ሓዳስ ኣካያዲት ኣካል መሪጾምን ውሳኔታትን ለበዋታትን ኣሕሊፎምን።

ብኻልእ ወገን፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳ፡ “ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት” ብዝብል ኣርእስቲ፡ ብ2 ሚያዝያ ህዝባዊ ሰሚናር ወዲቡ።

ኣብ’ቲ ብምሁር ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠት መንእሰይ ኣልኣሚን ሓምድ ኣብ ካምፓላ ዝተኻየደ ሰሚናር፡ ንታሪኽን ኣመዓባብላን ኤርትራዊ መንነት ብዝምልከት፡ ኣብ መጽናዕቲ ዝተመርኰሰ ሰፊሕ መብርሂ ቀሪቡ።

መንእሰይ ኣልኣሚን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት – ኣብ ጭቡጥ ህዝባዊ ቃልሲ ዝተሃንጸ ምዃኑ፣ ነዚ ድልዱል ሰረት ዘለዎ መንነት ንምድኻም ዝተኻየደ ፈተነታት፡ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ልቦና ናብ ሃገራዊ ሓድነት ከምዘማእዘኖ፣ ናይ ከም’ዚ ዝበለ ቃልሲ ውጽኢት ዝኾነት ኤርትራ ድማ፡ ኣብ ሓድነት ህዝባ ሃገራዊ መንነት ከምዝሃነጸት ብሰፊሑ ገሊጹ።

ኣብ’ቲ ኣጋጣሚ፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ኡጋንዳ ኣቶ መሓመድ ስሌማን፡ ኤርትራውያን ነበርቲ ኡጋንዳ፡ ውዳቤታቶም ኣሐዪሎም መድረኻዊ ተልእኾ ንምፍጻም ብውህደት ክሰርሑ ኣዘኻኺሩ።

Categories