ኣብ ሃገራዊ መወከሲ ሆስፒታል ኦሮታ፡ ኣብ 2021 – ትሕቲ 14 ዓመት ዝዕድመኦም 300 ቈልዑ ንዝርከብዎም፡ ልዕሊ 2,500 ዜጋታት ዕዉት መብጣሕቲ ከምዝተገብረሎም ተገሊጹ።

ኣብ’ቲ ሆስፒታል ሓላፊ ክፍሊ መብጣሕቲ ዶ/ር ዮሴፍ ተወልደ፡ ሓፈሻዊ መብጣሕቲ፡ ናይ ርእሲን መትኒን፡ ናይ ስርዓተ ሽንቲ፡ ናይ ኣፍንጫን እዝኒን ጐሮሮን፡ ናይ ስኒን መንጋጋን. . . ኣገልግሎት ከምዝወሃብ ኣረዲኡ።

ካብ’ቶም ኣገልግሎት ዝረኸቡ፡ እቶም 37 ሚእታዊት ብህጹጽ ረድኤት – ናይ ምቑጻር መዓንጣ፡ ቤንቲችተ፡ ምስ ሕማም ሽኮርያ ዝተኣሳሰረ ረኽሲታትን ብሰንኪ ባህርያውን ናይ ተሽከርከርትን ሓደጋታት መብጣሕቲ ዝተገብረሎም፣ እቶም 63 ሚእታዊት ድማ ብቘጸራ ኣገልግሎት ዝረኸቡ ምዃኖም፡ ዶ/ር ዮሴፍ ብተወሳኺ ኣብሪሁ።

ዝበዝሑ ካብ’ቶም ብቘጸራ መብጣሕቲ ዝተገብሎም ሕሙማት፡ ናይ ሕማማት መዓናጡ፡ ናይ ከስዐ፡ ከረጺት ሓሞትን ስርዓተሽንትን ጸገማት ዝነበሮም ምዃኖም ዝሓበረ ዶ/ር ዮሴፍ፡ ኣሃዱ ኣፍንጫን እዝኒን ጐሮሮን ሓደ ርብዒ ናይ’ቲ ጠቕላላ ስራሕ ከምዘሰላሰለት ገሊጹ።

ሃገራዊ ባንክ ደምን ማሕበር ወለንታውያን ለገስቲ ደምን፡ ጠለባት ደም ብዓይነትን መጠንን ንምምላእ ንዝገብርዎ ዘለዉ ውፉይ ኣበርክቶ ድማ ሞጒሱ።

Categories