ኣብ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት፡ ተሳታፍነት ተመሃሮ ምስ’ቲ ተዋዲዱ ዘሎ ትካላት ትምህርቲ ክነጻጸር እንከሎ ውሑድ ምህላዉ፡ ንምብራኹ ኣብ ዝካየድ ጻዕሪ እምበኣር – ተራ ሕብረተ-ሰብ ክዓዝዝ መተሓሳሰቢ ቀሪቡ።

ሓፈሻዊ ንጥፈታት ትምህርትን ውጽኢት ተመሃሮን ንምግምጋም ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር ገብረሚካኤል ኣልኣዛር፡ ክሳብ ርሑቕ ገጠራት ዝተዘርግሓ ትካላት ትምህርቲ ምህላወን፡ እንተዀነ – ኣብ መብዛሕትአን ዋሕዲ ተመሃሮ ብሓፈሻ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ከምዘሎ ብምምልካት፡ ነቲ ኩነታት ንምምሕያሽ፡ ወለዲ ዕድመ ትምህርቲ ንዝኣኸሉ ደቆም ናብ መኣዲ ትምህርቲ ክልእኩ ኣተሓሳሲቡ።

ሓላፊ ጨንፈር ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዞባ ጋሽ-ባርካ መምህር መሓመድ-ዓሊ ኢብራሂም ብወገኑ፡ ኣብ ከተማታት ጻዕቂ ተመሃሮ ከምዘሎ፣ ኣብ ርሑቕ ገጠራት ግን ዋሕዲ ከምዝርአ ብምጥቃስ፡ ነዚ ዘይምምጥጣን ንምምዕርራይ ብዕቱብ ክስራሕ ተላብዩ።

ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ኣቑርደት ኣቶ ኢሳቕ ጥዑም፡ ኣመሓደርትን ኣነባበርቲ ዓድን፡ ናይ ትምህርቲ ዕድመኦም ዝኣኸለ ቈልዑ ናብ መኣዲ ትምህርቲ ናይ ምቕራብ ሓላፍነት ክወስዱ፣ ተራ ሕብረተ-ሰብን ኣካላት መንግስትን ድማ ክዓዝዝ ኣዘኻኺሩ።

Categories