ዝኾነ ዓይነት መርመራ፡ ኣብ’ቲ እትጥቀመሉ መሳርሕን ብቕዓት ሞያዊ ሰብን ስለዝምርኰስ፡ መንግስቲ ብሉጽ መሳርሒታት ብምትእትታውን ዓቕሚ-ሰብ ብምምዕባልን፡ ንጥፈታት ሃገራዊ ላቦራቶሪ ጥዕና ንምብራኽ – ገዚፍ ወፍሪ ይገብር ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣብ ሃገራዊ ላባራቶሪ ጥዕና፡ ሓላፊ ምቁጽጻር ብቕዓት ኣገልግሎት ኣቶ ሰረቐ ተስፋሂወት፡ ካብ ቀንዲ ዕማማት ናይ’ቲ ትካል – ልዑል ብቕዓት ዘድልዮም መርመራታት ምክያድ፣ ኣብ መላእ ሃገር ናይ ዝርከባ ላቦራቶሪታት ብቕዓት ምክትታልን ምቁጽጻርን፣ ነተን ላቦራቶሪታት ዘድሊ መሳርሒታትን ቀመማትን ምቕራብ፣ ዓቕሚ ናይ’ቶም ኣብ ስራሕ ተዋፊሮም ዘለዉ ሞያውያን ምብራኽ ምዃኑ ሓቢሩ።

ብዘተኣታትዎ ዘሎ ዘመናዊ መሳርሒታትን ብዘለዎ ክኢላዊ ዓቕሚ-ሰብን፡ ኣብ ኩሉ ሕማማት ዘካይዶ መርመራታት ብቕዓቱ ዘተኣማምን ምዃኑ ድማ ኣገንዚቡ።

ንመርመራ ‘ኮቪድ-19’ ብዝምልከት – ኣቶ ሰረቐ፡ ብሰለስተ መንገዲታት፡ ማለት እቲ ቀዳማይ፡ ብ‘PCR’ ዝፍለጥ ልዑል ተክኖሎጂን ፍልጠትን ዝሓትት ኣብ ማእከላይ ቦታ ዝካየድ፣ ካልኣይ፡ ብ‘ቅልጡፍ መርመራ’ ዝፍለጥ – ኣብ ኩለን መእተዊ ኣፍደገታትን መዓርፎ ነፈርትን ዝካየድ፣ እቲ ሳልሳይ ድማ፡ እቲ ሰብ ቅድሚ ሕጂ ተለኺፉ ምንባሩን ዘይምንባሩን ንምፍላጥ ዝሕግዝ ናይ ደም መርመራ ምዃኑ ኣረዲኡ።

ኣቶ ሰረቐ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብደረጃ ዓለም ኣብ 250 ላቦራቶሪታት ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምቁጽጻር ብቕዓት ስራሕ፡ ሃገራዊ ላባራቶሪ ጥዕና ኤርትራ ካብ’ተን ልዕሊ 80 ሚእታዊት ነቲ ዘድሊ ብቕዓት ዘማልኣ ትካላት ብምዃን፡ ክልተ መረጋገጺ ብቕዓት ወረቐት ምስክር ከምዝረኸበ ገሊጹ።

Categories